ሊብያ፣ ናብ ኢጣልያ ዝተበገሱ ኣስታት 100 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም

ሊብያ፣ ናብ ኢጣልያ ዝተበገሱ ኣስታት 100 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም

Radio Erena: 29 June 2018

Libya coast guard

ካብ ገማግም ሊብያ ኢጣልያ ተበጊሶም ናብ ኢጣልያ ንምእታው ዝሓለኑ ኣስታት 100 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝጠሓሉ ሓለዋ ገምግም ባሕሪ ሊብያ ሓቢሩ።

ኣፈኛ ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሎሚ ዓርቢ 29 ሰነ ኣብ ዘካየድዎ ህይወት ናይ ምድሓን መስርሕ ዛጊት ናይ 14 ሰባት ጥራይ ብህይወት ከምዝጸንሕዎም ብምርግጋጽ እቶም ዝተረፉ ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።

ድሕሪ’ቲ ኣብ ምብራቓዊ ገምጋም ባሕሪ ጣራብሎስ፣ ከባቢ ኣል ሓምዲያ ዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል፣ ሬሳ ናይ ሰለስተ ህጻናት ዝርከብዎም 10ታት ሰባት ተረኺቡ ከምዘሎ እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ።

ዜግነት ናይቶም ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ጥሒዞም ዘለዉ ኣስታት 100 ሰባት ዛጊት ኣይተሓበረን።

እዚ ሓደጋ ባሕሪ ዘጋጥም ዘሎ፣ ሃገራት ኤውሮጳ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ኣብ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ግዝያዊ ናይ መጻሪ መዓስከር ንምቛም ኣብ ዝተሰማምዓሉ ዕለት’ዩ።

ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ጽዒነን ናብ ገማግም ባሕራ ንዝጽግዓ መራኽብ ትካላት ህይወት ኣድሕን ከይጽግዓ ድሕሪ ምኽልካላ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ህጹጽ ኣኼባ ከካይዳ’የን ተገዲደን።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት ሓደ ሽሕ ስደተኛታት ዝጸዓና ሰለስተ መራኽብ ናብ ገማግም ባሕሪ ከይጽግዓ ድሕሪ ምኽልካለን፣ እቲ ክልተ ናብ ስጳኛ ከቕንዓ እንከለዋ እታ ሓንቲ ከኣ ናብ ማልታ ከምዝተመልሰት ይፍለጥ።

====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0