ሶማል፣ ናውቲ ሕክምና ዝጸዓነት ነፋሪት ብምውዳቃ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ሞይቶም

Radio Erena: 06 May 2020

ኣብ ሶማል፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምግታእ ዝሕግዝ ናውቲ ሕክምና ከምዝጸዓነተ ዝተገልጸት ነፋሪት ወዲቃ ብምሕምሻሻ፣ ኣብራሪ፣ ተሓጋጋዚኡን ካልኦት ኣርባዕተ ሰባትን ከምዝሞቱን ፈደራላዊ መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እታ ብ4 ግንቦት፣ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ከተማ ባርዳል ንምዕላብ ኣብ እናተቓረበ ዝወደቐት ነፋሪት፣ ብጸረ ነፈርቲ ተሃሪማ ክትከውን ከምእትኽእል ሚኒስተር ምክልኻል ነበር ብሮይተርስ ሓቢሩ።

እንተኾነ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ጠንቂ ምውዳቕ እታ ንብረት መንገዲ ኣየር ኣፍሪካን ኤክስፕረስ ዝኾነት ናይ ጽዕነት ነፋሪት የጻርዮ ከምዘሎ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ ዝኾነ ግምታት ኣይሃበን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0