ሶማል፣ ናብ ኤርትራ ተላኢኾም ናይ ዝተባህሉ ወትሃደራት ደሃይ ዝጠፍኦም ስድራቤታት ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 16 May 2021

ናብ ኤርትራ ተላኢኾም ናይ ዝተባህሉ ወትሃደራት ሶማል ደሃይ ዝጠፍኦም ስድራቤታት ኣብ ከተማ ሞቛድሹ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ከተማ ሞቛዲሹ፣ ኣብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ቪላ ሶማል ኣብ ዝርከብ፣ ዳልጂርካ ዳሕሶን ዝተባህለ ከባቢ ከምዝተኻየደ ማዕከን ዜና ጋረወ ኣፍሊጡ።

ደሃይ ደቀን ዝጠፍአን ኣዴታት ኣቐዲመን ድሕሪ ዘካየድኦ ሰለማዊ ሰልፊ፣ እቶም ወትሃደራት ንስልጠና ናብ ኤርትራ ከምዝተላእኩ መንግስቲ ሶማል ብወግዒ ከምዝተኣመነ ይዝከር።

ገለ ካብቶም ኣብ ታዕሊም ዝነበሩ ወትሃደራት ሶማል’ውን ድሕሪ’ቲ ብኣዴታቶም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ካብ ኤርትራ ቴሌፎን ብምድዋል ምስ ስድራቤታትም ክራኸቡ ከምዝኽኣሉ ተሓቢሩ።

ይኹን’ምበር ብዙሓት ካብቶም ወትሃደራት ክሳብ እዋን’ዚ ደሃይ ስለዘይብሎም፣ ስድራቤታቶም ብምትእኽካብ፣ ‘ደሃይ ደቅና ኣፍልጡና’ ክብል’ዮም ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ቀጽሪ ቤት መንግስቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካየዱ።

እዞም ስድራቤታት፣ ነዚ ሰለማዊ ሰልፊ ዝወደቡ፣ ገለ ክፋል ናይቶም ኣብ ኤርትራ ዝጸንሑ ወትሃደራት ሶማል ናብ ዓዶም ክምለሱ’ዮም ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትህደራት ሶማል፣ ኣብቲ ካብ 4 ሕዳር 2020 ጀሚሩ ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ከምዝኣተዉን፣ ኣብቲ ኵናት ድማ ኣማኢት ከምዝሞቱን’ዩ ዝንገር።

እንተኾነ፣ እቶም ወትሃደራት ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ንስልጠና ደኣ’ምበር፣ ናብ ኵናት ትግራይ ከምዘይኣተዉ’ዩ መንግስቲ ሶማል ሓቢሩ።

ብዝሒ ናይቶም ናብ ኤርትራ ዝተላእኩ ወትሃደራት ሶማል ብወግዒ ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ክሳብ 7000 ክበጽሕ ከምዝኽእል እቲ ማዕከን ዜና ይጠቅስ።

ስእሊ፣- ጋሮወ

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0