ኣብ ናይ ምስግጋር መድረኽ ንእትርከብ ሱዳን ንምሕጋዝ ዘንቀደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣብ ፓሪስ ይካየድ ኣሎ

Radio Erena: 17 May 2021

ሱዳን፣ ጀሚራቶ ንዘላ ናይ ምስግጋር መድረኽ፣ ብቁጠባን ወፍርን ንምሕጋዛ ዘንቀደ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ሎሚን ጽባሕን ኣብ ፓሪስ ክካየድ’ዩ።

እቲ ብፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኢማኑኤል ማክሮን ዝተጸውዐ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ፣ ብዘይካ’ቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ንዝምራሕ መንግስቲ ሱዳን ንምድጋፍ ምንቃዱ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ናይ ኣስታት 300 ቢልዮን ዶላር ሃጓፍ ኣጋጢምዎ ንዘሎ ቁጠባ ኣፍሪቃ፣ ንምምላእ’ውን ክዝቲ’ዩ።

እቲ ዋዕላ፣ ሱዳን ካብ ዘለዋ ናይ ኣስታት 60 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ፣ ገለ ክፋሉ ክሕደገላን፣ ካልእ ናይ ወርፊን ንግድን ኣፍደጌታት ድማ ክኽፈተላን ዕድል ዝህብ ምዃኑ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ገሊጹ።

ኣብዚ ክልተ ዕላማ ሒዙ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ዝርከቦም ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓበይቲ ናይ ወፍሪ ኩባንያታትን ክሳተፉ’ዮም።

ፈረንሳ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ጉዳይ ሱዳንን፣ ብኮቪድ ንዝተሃስየ ቁጠባ ኣፍሪቃ ንምብርባርን ዘንቀደ ፍሉይ ዋዕላ፣ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ’ውን፣ ዋዕላ ሃገራት ኣፍሪቃን ፈረንሳን ከተእንግድ’ያ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0