ሶማል፣ ብመጥቃዕቲ ኣልሸባብ ሓደ ኣመሪካዊ ወትሃደር ቆሲሉ

Radio Erena: 09 September 2020

ኣልሸባብ፣ ኣብ ሶማል ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ሓደ ወትሃደር ከምዝቖሰለ ሰራዊት ኣመሪካ እዚ ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

እቲ እዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ኣብ ደቡባዊ ሶማል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተፈንጃሪ ዝጽዓነት መኪና ብምጽዋድን ብናይ ሞርታር ደብዳብ’ንዩ ተኻይዱ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ስለያ፣ ስልጠናን ፍሉይ ስርሒታትን ዘድሃበ ኣስታት600 ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

ኣልሸባብ፣ ኣብ ክሊ’ቲ ሰራዊት ኣመሪካ ዓስኪርሉ ዝርከብ ከባቢታት ሶማል ተደጋጋሚ ፈተነ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ከምዝሓበረ ዘፍለጠ ሽበራዊ ጉጅለ፣ ዝሓለፈ ሰሙን መራሒኡ ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ከምዝቐየረ ምግላጹ ይዝከር።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0