ሶማል፣ ባይቶኣዊ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ተኻዪዱ

Radio Erena: 21 February 2022

ኣብ ሶማል ባይቶኣዊ ምርጫ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ቦምብ ተኻዪዱ።

እቲ ብቀዳም 19 ለካቲት ኣብ ከተማ በለድወይን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ብዉሑዱ 13 ሰባት ከምዝሞቱ፣ ብመንግስቲ እትውነን ቴሌቪዥን’ታ ሃገር ኣቃሊሓ።

እታ መደበር ቴሌቪዥን ብተወሳኺ፣ ምኽትል ኮሚሽነር’ታ ከተማ ዓብዲራሕማን ከይናን፣ ሓደ ካብቶም ግዳያት ምዃኑ ገሊጻ።

ፖሊስ ከተማ በለድወይን እቲ መጥቃዕቲ ቦምባ ከምዝተኻየደ እንተዘይኮኑ ካልእ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ናይቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት መግቢ ኮይኖም ዝምስሑ ዝነበሩ ተገልገልቲ ዝተገብረ መጥቃዕቲ፣ ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባብ ምሉእ ሓላፍነት ወሲዱሉ ኣሎ።

ኣልሸባብ ነዚ መጥቃዕቲ’ዚ ዘካየደ፣ ኣብ 25 ለካቲት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ፣ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ባይቶኣዊ ምርጫ፣ ህዝቢ ከይሳተፎ ራዕዲ ንምፍጣር ምዃኑ፣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ሓቢሮም።

ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክሰጋገር ዝጸንሐ ምርጫ ዝፈጠሮ ተኣፋፊ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ሶማል፣ ነፍሰ ቅትለታዊ መጥቃዕታት እንተቐጺሉ፣ ነታ ሃገር ናብ ሓድሽ ቅልውላው ከሰጋግራ ከምዝኽእል፣ ተንተንቲ ፖለቲካ ይእምቱ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0