ሶማል፣ በዓል ልደት ከይክበር መጠንቐቕታ ተዋሂቡ

ሶማል፣ በዓል ልደት ከይክበር መጠንቐቕታ ተዋሂቡ

Radio Erena: 24 December 2015

x mas

ኣብ ሶማል በዓል ልደት ከይክበር ፈደራላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ኣጠንቒቑ።

እቲ መንግስቲ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ በዓል ልደት ኣንጻር እምነት ምስልምና ብምዃኑ፣ ኣብ ሶማል ዝነብር ዝኾነ ሰብ ነታ ዕለት ከይጽንብላ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

በዓል ልደት ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ሃይማኖታዊ ትርጉም ንላዕሊ ግሎባዊ ባህሊ ኮይኑ ምህላዉ ይፍለጥ።

 

ኣብዚ ዓመታዊ በቖጻጽራ ፈረንጂ ኣብ 25 ታሕሳስ ዝኽበር በዓል ልደት፣ ምስ እምነት ክርስትና ምትእስሳር ዘይብሎም ኣብ ርሑቕ ኤስያ፣ ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ብፍላይ ኣብ ከተማታት ዝነብር ቢልዮናት ህዝቢ’ዩ ዝጽንብላ።

ኣብ ከም በዓል ሶማል ከተማ ሞቛድሾ ዝኣመሰላ ከተማታት’ውን ኣብ ዝተወሰነ ቦታታት ብፍላይ ኣብ ሆቴላትን መዘናግዒ ቦታታትን በዓል ልደት በመጠኑ ክኽበር ጸኒሑ’ዩ።

በዚ ሎሚ መንግስቲ ሶማል ኣውጽኢእዎ ዘሎ ሓድሽ መጠንቐቕታ ግና፣ በዓል ልደት ምኽባር ብሕጊ ከሕትት’ዩ። ነዚ ዝጠሓሰ እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ክወሃቦ’ዩ ኣይተነጸረን።

ስዑዲ ዓረብ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ መጠንቐቕታ ምቕርባ ዝዝከር ኮይኑ፣ ነቲ መጠንቐቕታ ዝጠሓ ክሳብ 10 ዓመት ክእሰር ምዃኑ ኣፍሊጣ’ያ።

እቲ መጠንቐቕታ፣ ንዜጋታተን ጥራይ ዘይኮነ ኣብተን ሃገራት ንዝነብሩ ናይ ወጻኢ ሰራሕተኛታት ይኹኑ ኣባልት ሰራዊት’ውን ይምልከት’ዩ።

ኣብ እዋን በዓል ልደት፣ ህያባት ንምልውዋጥ ጥራይ ብደረጃ ዓለም 10ታት ቢልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ከምዝንቐሳቐስ ኣብ ቁጠባ ዘተኩሩ መጽናዕታት የረድኡ።

ቩሸር ቦክስ (Voucherbox) ዝተባህለ ኣብ ቁጠባ ዘተኩር መርበብ ሓበሬታ ኣቕሪብዎ ብዘሎ ጸብጻብ መሰረት ንኣብነት፣ ኣብ ብሪጣንያ ጥራይ ኣስታት 17.2 ቢልዮን ፓውንድ ንህያባት ልደት ክወጽእ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0