ሶማል፣ ሰራዊት መንግስቲ ኣድማ የካይድ

ሶማል፣ ሰራዊት መንግስቲ ኣድማ የካይድ

Radio Erena: 22 March 2019

ሰራዊት ፈደራላዊ መግስቲ ሶማል፣ ኣድማ የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሮይተርስ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ብውሕዱ ኣብ ሰለስተ መዓስከራት ዝርከብ ሰራዊት እቲ መንግስቲ ዝኣደመሉ ምኽንያት፣ ናይ ኣዋርሕ ዘይተኸፍሎ ደሞዝ ስለዘሎ’ዩ።

ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ጠቕሊሉ ንዝወጽእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምትካእ ጸጥታ እታ ሃገር ከውሕስ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ ብሰንኪ ደሞዝ ኣድማ ዝገብር ዘሎ።

ብፍላይ ኣብ ዞባ ማእከላይ ሸበለ ዝርከብ ሰራዊት፣ ደሞዙ ክኽፈሎ ብዘይምኽእሉ መዓስከራቱ ራሕሪሑ ነናብ ገዝኡ ይምለስ ከምዘሎ’ዩ ተገሊጹ።

ኣዛዚ ናይቲ ሓደ ካብቲ መዓስከራት ኮለነል ዓብዲ መሓመድ ኣሕመድ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ተወሳኺ ሓበሬታ፣ “ሰራዊት ሶማል፣ ኣብ ፈቐዶ ግንባራት ምስ ዕጡቓት ኣልሸባብ እናተፋጠተት፣ ደቁን ስድራቤቱን ግና ብጥሜት ክልለዉ ምርኣይ ዘሳቒ’ዩ።” ኢሉ።

ገለ ካብቲ መዓስከራት ጥርሑ ከምዝተረፈ ክግለጽ እንከሎ፣ ኣብ ገሊኡ ግና ምስ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተረፉ ሓደ ሓደ ወትሃደራት ከምዘለዉ’ውን ኮለነል ዓብዲ መሓመድ ኣፍሊጡ።

ነበርቲ ናይታ 30 ኪሎሜተር ንሰሜን ካብ ሞቛድሾ ርሒቃ እትርከብ ከተማ በለድታውን ኣብ ዝሃብዎ ናይ ዓይኒ ምስክርነት፣ ወትሃደራትን ዝጸዓና 20 መካይን ካብ መዓስከራተን ክወጻ ከምዝርኣዩ ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶማል ሓሰ ዓሊ ኻይረ ብዛዕባ’ዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ዘይተመዝገቡ ኣባላት ሰራዊት ጥራይ’ዮም ደሞዞም ዘይተኸፍሉ ድሕሪ ምባል፣ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ ትሕቲኦም ዝርከቡ ወትሃደራት ክምዝግቡ ጸዊዑ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0