ሶማል፣ ምስ ሩስያ ዝምድንኣ ከተሐይል ከምእትደሊ ገሊጻ

Radio Erena: 19 November 2019

ሶማል ምስ ሩስያ ዝምድንኣ ከተሐይል ከምእትደሊ ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ዝገለጸት ቀዳማይ ሚኒስተር ሓሰን ዓሊ ኻይረ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ ኣብ ፓሪስ ተራኺቡ ድሕሪ ዘካየዶ ምይይጥ’ዩ።

ክልቲኦም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፓርስ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰላም ኣብ ዝገብርዎ ርክብ፣ ኣብ ጸጥታዊ ጉዳያት ምዝታዮም’ውን ተሓቢሩ።

ሩስያ፣ ሕብረት ሶቬት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፣ ኣብ ሶማል ድልዱል ወትሃደራዊ ህላወ ከምዝነበራ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ እታ ናይ ሽዑ ሶቬት፣ ዝምድንኣ ናብ ኢትዮጵያ ብምዝዛው፣ ኣብ 1977 ጠቕሊላ ከምእትወጽእ ተጌሩ።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ድማ ሩስያ ናብ ሶማል ኣቛሚታ ኣይትፈልጥን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሩስያ ናብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀይሕ ባሕርን ናይ ምምላስ ገዚፍ ድሌት ከምዘለዋ’ዩ ዝግለጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0