ሶማል፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ንምምርጻ ኣብ ድርኩኺት ምብጽሓ ተገሊጹ

Radio Erena: 18 April 2022

ኣብ ሶማል፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 31 መጋቢት ዝተኻየደ ምርጫ፣ ኣባላት ባይቶ ብቀዳም 16 መጋቢት ናይ መጀመርያ ኣኼባ ከምዘካየዱ ኣግርልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ዓበይቲ ዓዲ ናይ ዝተፈላለያ ቀቢላታት ናይታ ኣብ ዞባታት ዝተኸካፈለት ሶማል፣ ወከልቶም ብምምራጽ ናብ ባይቶ ከምዝጽንበሩ ምግባሮም ይሕበር እኳ እንተሎ፣ ዝተረፈ መናብር ምህላዉ ምንጭታት የመልክቱ።

እንተኾነ፣ ካብቲ 329 መናብር ዘለዎ ባይቶ ሶማል፣ እቲ 298 ተታሒዙ ስለዘሎ፣ እቲ ብዝሒ፣ ፕረዚደንት ንምምራጽ እኹል ምዃኑ ይትንተን።

ኣብ ለካቲት 2021 ዘመነ ስልጣኑ ዘብቕዐ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ፣ ምስ መራሕቲ ክልተ ዞባታት ኣይተረዳዳእናን ብዝብል፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ክቕጽል’ዩ ወጢኑ ኔሩ።

መራሕቲ ዝተፈላለዩ ቀቢላታትን ምምሕዳራትን ብዝገበርሉ፣ ብረታዊ ጎነጽ ዝተሓወሶ ተቓውሞ፣ ምርጫ ክካየድ ተሰማሚዑ።
ይኹን’ምበር፣ እቲ ምርጫ፣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ሓደ ዓመት፣ ንሽዱሽተ እዋናት ተሰጋጊሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና ባይቶ ሶማል፣ ኣብ ቀረባ እዋን፣ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጹ ንህዝቢ ክሕብር ኣብ ድርኵኺት በጺሑ ኣሎ።

ድሕሪ ምሕባር እቲ ውጽኢት ሓድሽ ወጥሪ ከይክሰት ዝሰግኡ’ውን ኣለዉ።

==============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0