ሶማል፣ ሎሚ ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ኣባላት ባይቶን ፕረዚደንትን ብሰንኪ ዘይምርድዳእ መንግስትን ርእሰ ምምሕዳራትን ተሰናኺሉ

Radio Erena: 08 February 2021

ኣብ ሶማል፣ ሎሚ ሰኑይ 8 ለካቲት ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ኣባላት ባይቶን ፕረዚደንትን፣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ርእሰ ምምሕዳራትን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ከምዝተሰናኸለ ተሓቢሩ።

ስልጣኑ ሎሚ 8 ለካቲት ብወግዒ ዘብቅዕን ንኻልኣይ እዋን ድማ ክምረጽ ዝደልን ፕረዚደንት መሓመድ ዓቡላሂ ፋርማጆ፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ኣብ ዝተኻየደ ምምኽኻር ቅድመ ምርጫ፣ ብዙሕ ሕድገታት ብምግባር ከምዝጸዓረ፣ እንተኾነ ብሰንኪ ገለ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ከምዘይተዓወተ’ዩ ኣአንፊቱ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቅድመ ምርጫ ዘተ፣ ከም ኣውራ ዕንቅፋት ኮይኖም ዝርቁሑ ዘለዉ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድ’ዮም።

እቲ ኣብ ምርጫ ሶማል ንኸይሳተፍ ብኬንያ ምድፍፋእ ይግበረሉ ከምዘሎ ክውቀስ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ኣሕመድ ማዶበ ብወገኑ፣ ኣብቲ ዘተ ብሰናይ ድሌትን ሓቐኛ እምነትን ከምዝቐረበ ብምጥቃስ፣ ብሰንኪ ፕረዚደንት ፋርማጆ ክዕወት ከምዘይክኣለ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ወቒሱ።

ኣብ መወዳእታ 2020 ክካየድ ዝነበሮ ምርጫ ሶማል፣ ናብ 8 ለኣቲት 2021 እኳ እንተተሳሕበ፣ ሕጂ’ውን ብሰንኪ ዘይምርድዳእ ፈደራላዊ መንግስትን ርእሰ ምምሕዳራትን፣ ክናዋሕ ተገዲዱ ኣሎ።

እዚ ኣብ መንጎ መራሕቲ እታ ሃገር ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ፣ ነታ ኣብ ሰንኮፍ እትርከብ ሃገር፣ ብዝበኣሰ ናብ ጸጥታዊ ሓደጋ ከውድቓ ከምዝኽእል ተንተንቲ የመልክቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0