ግብጺ፣ ኤርትራ ቀዪዳቶም ዘላ ገፈፍቲ ዓሳ ዜጋታታ ብቕጽበት ክፍትሑ ጸዊዓ

Radio Erena: 07 February 2021

ግብጺ፣ ሃለዋት’ቶም ኤርትራ ቀዪዳቶም ዘላ ገፈፍቲ ዓሳ ዜጋታታ ከምዘሻቐላን ብቕጽበት ክፍትሑን ጸዊዓ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ምስ ኤርትራዊ መዘንኡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ እቶም መንግስቲ ኤርትራ ቀዪዱዎም ዘሎ ገፈፍቲ ዓዛ ብዘይቅድመ ኩነት ክፍትሑ ጠሊቡ።
ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣሕመድ ሓፊዝ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ዝምድና ግብጽን ኤርትራን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ዝርከብ እኳ እንተኾነ፣ ኩነታት ጥዕና’ቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝርከቡ ግብጻውያን ግና ኣሻቓሊ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሳምሕ ሹክሪ፣ ንኣምባሳደር ግብጺ ኣብ ኤርትራ፣ ነቲ ጉዳይ ክከታተልን፣ ምፍታሕ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ብእዋኑ ከምዝሳለጥ ኣብ ምግባርን ሓላፍነት ክወስድ ኣዚዙ’ሎ።
ኣብቲ ናይ ቴሌፎን ርክብ፣ ኤርትራን ግብጺን፣ ኣብ መጻኢ ከምዚ ዓይነት ተርእዮታት ከይድገም፣ ክግበር ብዛዕባ ዝግብኦ ጥንቃቐታት እውን ዘትዮም።
የመናውያንን ግብጻውያንን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፣ ብሕማቕ ከምዝተሓዙን ንብረቶም ተሃጊሩ ጥራይ ኢዶም ናብ ዓዶም ክምለሱ ከምዝቕሰቡን ይገልጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0