ሶማል፡ ብቱርኪ ዝሰልጠኑ ኣማኢት ወትሃደራዊት ተመሪቖም

RADIO ERENA – Monday, 11 March 2024

ብቱርኪ ክስልጣኑ ዝጸንሑ ኣማኢት ወትሃደራት ሶማል ተመሪቖም።

እቶም ብ07 መጋቢት ዝተመረቑ ወትሃደራት ሶማል፡ ኣካል ቲ ዝቐውም ዘሎ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ኮይኖም ከምዘገልግሉ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ታ ሃገር ሓቢሩ።

ሶማል፡ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት 30 ሽሕ ብዝሒ ዘለዎ ዓቓብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ንምትካእ፡ ኤርትራ ኣብ ትርከበን ሓያሎ ሃገራት ወትሃደራት ተሰልጥን ኣላ።

ኣብ ኤርትራ፡ ካብ 2019 ኣትሒዙ ዝሰልጠኑ ኣስታት ሓሙሽተ ሽሕ ወትሃደራውት ሶማል፡ ዝበዝሑ ድሮ ናብ ሃገራዊ ሰራዊት ሶማል ክጽንበሩ እንከለዉ፡ ኣብዚ እዋንውን ኣብ ሓይልታት ምድሪ፡ ባሕርን ኣየርን ታዕሊም ዝወስዱ ዘለዎ ልዕሊ 2 ሽሕ ከምዘለው ይሕበር።

ምስ ሶማል ሓያሎ ወትሃደራዊ ስምምዓት ዘለዋ ቱርኪ ብወገና፡ ኣብ ሞቛድሾ ወትሃደራዊ መዓስከር ብምኽፋት ዓመታዊ ኣማኢት ኣባላት ሰራዊት ኣብ ምስልጣንያ ትርከብ።

እዘን ክልተ ሃገራት ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዝገበርኦ ወትሃደራዊ ስምምዕ ድማ፡ ቱርኪ ንኣስታት 10 ዓመታት ክሊ ማይ ሶማል ንምውሓስ ዘኽእል ናይ ሓይሊ ባሕሪ ዘጠቓለለዩ።

ቱርኪ ብዘይካቲ ዘለዋ ወትሃደራዊ ስምምዓት፡ ኣብ ሶማል ነዳዲን ካልእ ማዕድናትን ንምድህሳስ ዘኽእል ናይ ጸዓት ወዕላውትውን ኣብዚ ሳልስቲዚ ከቲማ ኣላ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0