ሶማልያ፣ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ብዘይ ምርጫ ንክልተ ዓመታት ተናዊሑ

Radio Erena: 14 Wednesday 2021

ዕድመ ስልጣኑ ኣብ 8 ለካቲት ዘብቅዐ ፕረዚደንት ሶማልያ፣ ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ተናዊሑ።

ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ንክልተ ዓመታት ክዋናሕ ዝተወሰነ፣ ባይቶ ሶማልያ ብሰኑይ 12 ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ድሕሪ ዝሃቦ ናይ ድጋፍ ድምጺ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣቐዲሙ እቲ ባይቶ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ንምዝታይ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ብዘይ ስምምዕን ብባእስን’ዩ ተበቲኑ።

ምርጫ ከካይድ ብኣህጉራውያን መሻርኽቲ፣ ጸቕጢ ክግበረሉ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ሶማልያ፣ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፣ ምስ ቀንዲ መተሃላልኽቱ ዝኾኑ መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን ዘካየዶ ዘተ ብዘይፍረ ድሕሪ ምብታኑ’ዩ፣ ባይቶ ሶማልያ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ብዘይምርጫ ንክልተ ዓመታት ክናዋሕ ደገፉ ሂቡ ዘሎ።

መራሕቲ ርእሰ ምምሕዳራት ጁባላንድን ፑንትላንድን፣ ዕድመ ስልጣኑ ዘብቅዐ ፕረዚደንት መሓመድ ፋርማጆ ኣፍልጦ ከምዘይህብዎ’ዮም ክገልጹ ጸኒሖም።

እቲ ፕረዚደንት ብዘይ ምርጫ፣ ንክልተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክቕጽል ምውሳኑ፣ ኣብታ ድሮ ተኣፋፊ ጸጥታዎ ኩነታት ዘለዋ ሃገር፣ ተወሳኺ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከይፈጥር ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0