ሶማልያ፣ ብዝተወሃሃደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 26 January 2017

Moga att

ኣብ ሶማልያ፣ ከተማ ሞቛድሾ ብኣልሸባብ ዝተኻየደ ዝተወሃሃደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ጋዜጠኛታት ዝርከብዎም ብውሕዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ብሮቡዕ 25 ጥሪ ዝተኻየደ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ጎኒ መንበረ ፓርላማ ንእትርከብ ሆቴል ዒላማ ዝገበረ ኮይኑ፣ ፈለማ ኣብ መኪና ነታጕ ብምጽዋድ’ዩ ተፈጺሙ።

ዕጡቓት ኣልሸባብ፣ ድሕሪ’ቲ መጥቃዕቲ ብኡ ንብኡ ናብቲ ሆቴል ብምእታው ኣብቲ ቦታ ኣብ ልዕሊ ዝጸንሕዎም ሰባት ኣድራጋ ቶዅሲ ከምዝኸፈቱ’ውን ናይ ዓይኒ መሰካኽር ገሊጾም።

ድሕሪ ሒደት ደቕይቕ ድማ፣ ብተመሳሳሊ ነታጕ ዝተጻወዳ መኪና ኣብቲ ቦታ ብምፍንጃራ ተወሳኺ ጉድኣት ከምዘስዓበት ዝሓበሩ ማዕናት ዜና፣ ብዛዕባ’ቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ጸብጻባት ንምድላው ኣብቲ ቦታ ዝተኣኻኸቡ ሓይልታት ጸጥታን ጋዜጣኛታትን እቶም ቀንዲ ግዳያት ምዃኖም ኣመልኪቶም።

ብዛዕባ’ቲ ናይ ፈለማ መጥቃዕቲ ጸብጻብ ንምክያድ ናብቲ ቦታ ካብ ዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ሸውዓተ ከምዝተቐትሉ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እዚ መጥቃዕቲ ዝካየድ ዘሎ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንምምራጽ ምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ብዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝድገፍ ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ንኣልሸባብ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ከርሕቖ እኳ እንተኸኣለ፣ ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መጥቃዕታት ግና ክገትኦ ኣይከኣለን።

ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ድሕሪ ምስሓቡ ኣልሸባብ ሓድሽ ሞራል ሰኒቑ ቦታታት ይቆጻጸርን መጥቃዕትታት የካይድ ከምዘሎ’ዮም ተንተንቲ ዝጠቕሱ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0