ሃገራዊት ኣገልግልት ዘይፈጸሙ፣ ብሲቪላዊ ኣገባብ ቃል-ኪዳን ከይኣስሩን ምስክር ወረቐት ከይወሃቦምን ዝእዝዝ መምርሒ ተመሓላሊፉ

Radio Erena: 25 January 2017

Maria

መንግስቲ ኤርትራ፣ ሃገራዊት ኣገልግልት ንዘይፈጸሙ፣ ብሲቪላዊ ኣገልግሎታት ቃል-ኪዳን ከይኣስሩን ምስክር ወረቐት ቃል ኪዳን ከይወሃቦምን ዝእዝዝ መምርሒ ከምዝተመሓላለፈ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ብመሰረት እዚ ካብ ሓድሽ ዓመተ 2017 ኣትሒዙ ተዋሂቡ ዘሎ መምርሒ፣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ቃል ኪዳን ንዝኣስሩ ይኹን ካብ ምምሕዳር ከተማ ናይ ቃል-ኪዳን መረጋገጺ ወረቐት (Mariage Certificate) ንዝሓቱ ኤርትራውያን፣ ካብ ዘለውዎ ኣሃዱታት መሰነይታ ወረቐት ከምጽኡ ክግደዱ’ዮም።

እቲ መንግስቲ ብዘይካ’ዚ፣ ዓበይቲ ይኹና ንኣኽቱ ናይ ብሕቲ ትካላት፣ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘትፈጸሙ ኤርትራውያን ከም ሰራሕተኛታት እንተቖጺረን፣ ከቢድ ስጉምቲ ክወስደለን ምዃኑ ኣጠንቒቑወን ኣሎ።

 ዕድመን መጻኢ ህይወትን መንእሰያት ረሚሱ፣ ፈቐዶ ስደት ከምዝበታተኑ ጌርዎም ዘሎ ሃገራዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ርእሲ’ቲ ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ምዃኑ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ኤርትራ ከቢድ ሰብኣዊ ገበናት ይፍጽም ከምዘሎ’ዮም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወቕሱ።

95 ሚእታዊት ካብቶም ካብ ኤርትራ እናሃደሙ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝሓቱ መንእሰያት፣ ጠንቒ ስደቶም ናይ ግዜ ገደብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዃኑ’ዮም ዝገልጹ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0