ሶማልያ፣ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል፣ ካብ ነፍሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ንስክላ ወጺኡ

Radio Erena: 16 July 2020

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል፣ ካብ ነፍሰ-ቅትለታዊ መጥቃዕቲ ንስክላ ከምዝወጸ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብ መኪና ብዝተጻወደ ቦምባ ከምዝተኻየደ ዝተገልጸ እቲ ፈተነ ቅትለት፣ ሓለውቲ ጀነራል የሱፍ ራገ ብኡ ንብኡ ጸረ መጥቃዕቲ እኳ እንተካየዱ፣ እቲ ቦምባ ብምፍንጃሩ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፣ ቁጽሮም ብንጹር ዘይተገልጸ ሰባት ከኣ ከምዝቖሰሉ ተሓቢሩ።

ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል የሱፍ ራገ፣ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ ሆስፒታል ዑደት ንምፍጻም ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን እዩ እቲ መጥቃዕቲ ተኻዪዱሉ።

ጉጅለ ኣልሸባብ ናይቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ወሲዱ ኣሎ። ወሃብ ቃል’ቲ ጥሩፍ ጉጅለ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ዒላማ እቲ መጥቃዕቲ እቲ ጀነራልን ዓጀብቱን ምንባሮም ገሊጹ።

ንማእከላይ መንግስቲ ዓልዩ ስልጣን ክሕዝ፣ ካብ 2008 ኣትሒዙ ኣብ ሶማል ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ኣልሸባብ፣ ዋላ’ኳ ሰራዊት ሶማል ብ20 ሽሕ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ተደጊፉ ካብ ዝበዝሕ ከባቢታት እንተጸረጎ፣ ናይ ቃጻ መጥቃዕታት ካብ ምክያድ ግና ኣየዕረፈን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0