የመን፣ ኣል-ሑቲ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ኣካዪዱ

Radio Erena: 15 July 2020

ኣል-ሑቲ ናይ የመን፣ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ስዑዲ ዓረብ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ።

እቲ ብሰኑይ 13 ሓምለ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ኣብ ከተማ ጂዛን ኣብ ዝርከብ ሓደ ናይ ኢንዱስትሪ ፓርክ እዩ ተፈጺሙ።

ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ ናይ ዝወረደ ዕንወት ብክልቲኦም ወገናት ዝወሃብ ዘሎ ሓበሬታ ዝተፈላለየ እዩ። ወሃብ ቃል ኣል-ሑቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበለ ከባቢታት እቲ ናይ ኢንዱትሪ ፓርክ ከምዝዓነወን፣ ሓያሎ ኣባላት ሰራዊት ልፍንቲ ከምዝሞቱን ሓቢሩ። ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ጂዛንን ናጅራንን ዝርከቦ ደቡባዊ ክፋል ስዑዲ ዓረብ ዝርከብ መአዘዚ ንቑጣታት ሰራዊት ልፍንቲ ከምዝዓነወ ይገልጽ።

ሰራዊት ልፍንቲ ብወገኑ፣ እቲ ብሰኑይ ካብ ከተማ ሰንዓ ከምዝተወንጨፈ ዝገለጾ ሚሳይላት፣ ገና ኣብ ኣየር ከሎ ከምዝበርዓነ፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ተወንጨፍቲ ሮኬታት ዓጢቐን ዶብ ክሰግራሉ ኣብ ዝፈተና ከኣ፣ ብጸረ ሚሳይል ተሃሪመን ከምዝዓነዋ ሓቢሩ።

ኣራምኮ ዝተባህለ ናይ ነዳዲ መዐደኒ ትካል፣ ካብ ዶብ የመን 60 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ መዓታዊ 400 ሽሕ ገረወይና ነዳዲ ዘፍሪ ትካል ብምህላዉ፣ ዒላማ ተኸታታሊ መጥቃዕታት ኣል-ሑቲ እዩ ኮይኑ ጸኒሑ።

ኲናት የመን፣ ልዕሊ 100 ሽሕ ህይወት ዝወሰደ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ዘሎ ግጭት ኮይኑ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ተመዝጊቡ ኣሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0