ስፐይን፣ ንስዑዲ ዓረብ ኣጽዋር ክትሸጠላ ዝኣተወቶ ውዕል ሰሪዛ

ስፐይን፣ ንስዑዲ ዓረብ ኣጽዋር ክትሸጠላ ዝኣተወቶ ውዕል ሰሪዛ

Radio Erena: 06 September 2018

yemen wስፐይን፣ ንስዑዲ ዓረብ ኣጽዋር ክትሸጠላ ዝኣተወቶ ውዕል ከምዝሰረዘቶ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ስፐይን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን እተካዪዶ ዘላ ደብዳብ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ ጉድኣት ከምዘተሓሳሰቦ እዩ ዝገልጽ።።

 

እዚ ስፐይን ንስዑዲ ዓረብ ክትሸጠላ ተሰማሚዓቶ ዝነበረት ኣጽዋር፣ ከባቢ 10 ሚልዮን ዶላር ዝተገመተ ብለይዘር ዝምራሕ ቦምባ ምዃኑ’ዩ ዝፍለጥ።

መንግስቲ ስፐይን፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ጉድኣት ዘውርድ ኣጽዋር ንስዑዲ ዓረብ ከምዘይሸጠትላ ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጹ ይዝከር።

ሓፈሻዊ ንግዲ ኣጽዋር ስፐይንን ስዑዲ ዓረብን ከባቢ 1.8 ቢልዮን ዶላር ይበጽሕ።
ብኻልእ ወገን፣ ብሪጣንያ ንስዑዲ ዓረብ እትሸጦ ቦምባታትን ሚሳይላትን ዝርከቦ ዝተፈላለየ ኣጽዋር ብ 500% ክብ ከምዝበለ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ሃገራት ምዕራብ ንስዑዲ ዓረብ ዝሸጦኦ ዘለዋ ኣጽዋር ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ የመን ከቢድ ጉድኣት የውርድ ስለዘሎ፣ ብቕጽበት ደው ከብላ ብተደጋጋሚ ጸዊዑ’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0