ስድራቤት ካብ ኢትዮጵያ ዝተጨውዩ መንእሰያት ድሃይ ደቆም ይሓቱ

Radio Erena: 15 February 2023

ካብ ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ኤርትራ ናይ ዝተጨውዩ መንእሰያት ስድራቤት፡ሃላዋት ደቆም ክንገሮም ጠሊቦም።

ኣዲስ ስታንዳርድ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፣ ብ 18 ጥሪ 2023 ካብ ጉረ ኣንዳጋብር ዝተባህለ ጥቓ ከተማ ኣክሱም ዝርከብ ዓዲ፡ ብሰራዊት ኤርትራ ናይ ዝተጨውዩ 10 መንእሰያት ወለዲ፡ ደሃይ ደቆም ክንገሮም ምምሕጻኖም ኣፍሊጡ።

እቶም ወለዲ፣ ደቆም ምስ ተጨውዩ፡ ናብቲ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ሽረ ዓስኪርሉ ዝነበረ ቦታ ብምኻድ ድሃይ ከም ዝሓተቱን፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ቦታ ተንቀሳቒሱ ስለ ዝጸንሐ ድሃይ ዝህቦም ከም ዘይረኸቡን፡ ንኣዲስ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪት ላዕላይ ማይ ጨው ወ/ሮ ኣበባ ተስፋይ ብወገና፡ ብሰራዊት ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ብተደጋጋሚ ምፍጻሙ ከም ዝፈልጡን፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ልዕሊኦም ንዝርከቡ ሰብ መዚ ሓቢሮም ምህላዎምን ገሊጻ።

ደቅና ኣባል ሓይልታት ትግራይ ይኹን ወያነ ኣይነበሩን ዝብሉ እቶም ወለዲ፡ወላ’ኳ ጉዳዮም ንናይቲ ከባቢ ሓይልታት ጸጥታ እንተሓበሩ፡ ብዘይካ ናብ ላዕለዋይ ኣካል ሕቶኹም ከነመሓላልፈልኩም ኢና ዝብል መልሲ፣ ካልእ ከም ዘይረኸቡ ይሕብሩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0