ስድራቤታት ብዳዒሽ  ናይ ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ይርድኡ ኣለዉ

ስድራቤታት ብዳዒሽ ናይ ዝተቐትሉ ኤርትራውያን ይርድኡ ኣለዉ

Radio Erena: 25 December 2015

ISIS

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ሊብያ ናይ ዝቐተሎም ኤርትራውያን ስድራቤታት ይርድኡ ኣለዉ።

እቲ ኣረሜናዊ ጉጅለ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ዝጨወዮም ስደተኛታት ክትሃድሙ ፈቲንኩም ንዝበሎም ብውሕዱ 10 ኤርትራውያን ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝቐተሎም ነቲ ፍጻሜ በዒንቶም ዝተዓዘቡ ኤርትራውያን ንሬድዮ ኤረና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ከኣ፣ ስድራቤታት ናይ ገለ ካብቶም ግዳያት ዳዒሽ ዝኾኑ ኤርትራውያን ተረዲኦም ምህላዎም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

 

ዛጊት ተረኺቡ ዘሎ ኣስማት ናይቶም ብዳዒሽ ዝተቐትሉ፣- ወጊሑ፣ ተስፊት፣ ስምኦን፣ ሮቤልን ተኽልኣብን ካብ ከባቢ ዓዲ ቀይሕ ክኾኑ እንከለዉ፣ ሰዓረን ኢሰያስን ካብ ከባቢ መንደፈራን ቴድሮስን መሓርን ዝተባህሉ ከኣ ካብ ከባቢ ኣቑርደት’ዮም

ኣረሜናዊ ጉጅለ ዳዒሽ ኣብ ወርሒ ሰነ፣ ሓምለን ነሓሰን ጥራይ ኣስታት 200 ኤርትራውያን ኣብ ሊብያ ጨውዩ ከምዘሎ ክግለጽ ምጽንሑ ይዝከር።

እቲ ጉጅለ፣ ኣቐዲሙ ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ናይ ዝቀተሎም 28 ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቪድዮ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2015 ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓያል ቁጠዐ ምፍጣሩ ኣይርሳዕን።

===============================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0