ስድራቤታት ናይቶም ብ13 ጥሪ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝሞቱ ኤርትራውያን ይርድኡ

ስድራቤታት ናይቶም ብ13 ጥሪ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ ዝሞቱ ኤርትራውያን ይርድኡ

Radio Erena: 20 January 2017

Libya

ብዓርቢ 13 ጥሪ ፣ ካብ ሊብያ ተበጊሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ፣ ዝበዝሑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣስታት 190 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ።

ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ወጻኢ ሃገራትን ዝርከቡ ሓይሎ ስድራቤታት እዞም ግዳያት ባሕሪ ሓደጋ ዝኾኑ ኤርትራውያን፣ ይርድኡ ምህላዎም’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ኣብ ስርሒት ህይወት ምድሓን ዝተዋፈረ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ካልኦት ትካላትን ኣብ ዝህብዎ ዘለዉ መግለጺ፣ ዛጊት ኣርባዕተ ሰባት ጥራይ ብህይወት ክድሕኑ ምኽኣሎምን ናይ ሸሞንተ ሰባት ሬሳ ከኣ ጸንበለል ኢሉ ምርካቡን፣ እቶም ዝተረፉ’ውን ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግምታቶም ክህቡ ጸኒሖም’ዮም።

እታ ጃልባ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ድሕሪ ምብጋሳ 50 ኪሎሜተር ጥራይ ርሒቓ ከምዝጠሓለት’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እንተኾነ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት፣ 123 ስደተኛታት ዝጸዓነት ካልእ ጃልባ ካብ ምጥሓል ክትድሕን ብምኽኣላ፣ ብዛዕባ’ታ ኣስታት 190 ሰባት ሒዛ ዝጠሓለት ጃልባ ርጉጽ ሓበሬታ ከይተረኽበ’ዩ ጸኒሑ።

ኣገልግሎት ዜና ኢጣልያ፣ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ግና፣ እቶም ጥሒሎም ክበሃሉ ዝጸንሑ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኣስታት 190 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ኣብታ ዕለት እቲ’ኣ ጥራይ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝተበገሱ ብድምር 550 ስደተኛታት ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን ትካላትን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ኣለዉ።

ኣባላት ሬድዮ ኤረና፣ ብዘጋጥም ዘሎ ተደጋጋሚ ሞት ኤርትራውያን ኣብ ባሕሪ ዝተሰምዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ፣ ንኩሉም ስድራቤታት ጽንዓት ይሃብኩም ይብሉ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0