ስደት ብማእከላይ ባሕሪ ብኣስታት ፍርቂ ይጎድል፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ግና ይዛይድ

ስደት ብማእከላይ ባሕሪ ብኣስታት ፍርቂ ይጎድል፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ግና ይዛይድ

Radio Erena: 21 May 2018

IOM Italy

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣውራሕ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ዝወሓዙ ብዝሒ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣስታት 26 ሽሕ ምንባሩ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት -IOM ኣብ ኣፍሊጡ።

እቲ ወኪል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ማሕበር፣ ብ18 ግንቦት፣ ካብ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ 41% ናይቲ ብዝሒ ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ክኾኑ እንከለዉ፣ እቶም ዝተረፉ ከኣ ናብ ግሪኽን ስጳኛን ዝሰገሩ’ዮም።

እዚ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተሰነደ ብዝሒ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ብኣስታት ፍርቂ ጎዲሉ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ዝነበረ ብዝሒ ልዕሊ 55 ሽሕ ክኸውን እንከሎ፣ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ 2016 ከኣ፣ ኣብቲ ዓመት ብምሉእ ዝተመዝገበ ቁጽሪ ኣስታት 189 ሽሕ ምዃኑ ጸብጻብ IOM የመልክት።

 

ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝኣተዉ ኣስታት 11 ሽሕ ስደተኛታት፣ እቶም ኣስታት 1800 ኤርትራውያን ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ማሕበር፣ ብብዝሒ፣ ድሕሪ ዜጋታት ቱኒዝያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዖም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ብዝሒ ናይቶም ማእከላይ ባሕሪ ብቁራጽ ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ዜጋታት ናይጀርያ፣ ጊኒ፣ ሰኔጋል፣ ፓኪስታንን ካልኦት ሃገራትን ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ክጎድል እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ናይ ዜጋታት ቱኒዝያን ኤርትራን ግና ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ወሲኹ ከምዘሎ የመልክት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ዝነበረ ግዜ ናብ ኢጣልያ ናይ ዝኣተዉ ብዝሒ ኤርትራውያን ኣስታት ሓደ ሽሕ ምንባሩ ጸብጻብ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢጣልያ ይገልጽ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0