ሶማል፣ ህቦብላዊ ዝናብ 25 ሰባት ቀቲሉ

ሶማል፣ ህቦብላዊ ዝናብ 25 ሰባት ቀቲሉ

Radio Erena: 22 May 2018

somal

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ፣ ዘይንቡር ተርእዮ ህቦብላዊ ዝናብ ኣብ ሶማል 25 ሰባት ከምዝቐተለ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

እቲ ካብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዝተበገሰ ህቦብላዊ ዝናብ ንሶማልያን ጅቡትን ከጥቅዕ ምዃኑ ኣቐዲሞም ክኢላታት ሜትዮሮሎጂ ከጠንቅቑ ጸኒሖም’ዮም።

እቲ ህቦብላ፣ ኣብ ቀዳመ ሰንበት፣ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድሕሪ ምጽግዑ፣ ብፍላይ ኣብ ርእሰ ምምሕዳራት ፑንትላንድን ሶማሊላንድን ኣብ ንብረት ከቢድ ጉድኣት ኣውሪዱ።

ሉጋያን ባኪን ኣብ ዝተባህለ ዓድታት ከኣ ብውሕዱ 25 ሰባት ቀቲሉ።

ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ሳጋር ዝተሰምየ ህቦብላ፣ ኣስታት 10 ሽሕ ሶማላውያን ካብ መነባብሮኦም ኣፈናቒሉ።

ድሕሪ’ቲ ህቦብላዊ ዝናብ ዝተኸስተ ዕልቕልቕ፣ ኣብ ሰብን ንብረትን ዘውረዶ ጉድኣት ገና ኣይተሓበረን።

ሰበ ስልጣን ሶማል፣ ብሰንኪ’ዚ ኣብ ሶማል ኣጋጢሙ ዘሎ ባህራዊ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ዜጋታት እታ ሃገር ዝውዕል ኣስታት 80 ሚልዮን ዝተገመተ ህጹጽ ረዲኤት ይሓቱ ኣለዉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0