ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ናይ ምስጓግ ፖሊሲ ንምቛም ኣስታት 20 ሽሕ ነበርቲ ከተማ ቴልኣቪቭ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ናይ ምስጓግ ፖሊሲ ንምቛም ኣስታት 20 ሽሕ ነበርቲ ከተማ ቴልኣቪቭ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

Radio Erena: 26 February 2018

Tel aviv

ኣስታት 20 ሽሕ ዝተገምቱ ነበርቲ ደቡብ ቴልኣቪቭ ዝኾኑ እስራኤላውያን፣ ነቲ መንግስቲ እታ ሃገር ሓንጺጽዎ ዘሎ ዜጋታት ኤርትራን ሱዳንን ናይ ምስጓግ ፖሊስ ንምቅዋም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቲ ብቀዳም 24 ለካቲት ዝተኻየደ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ብእስራኤላውያን ዝተወደበ ኮይኑ “ዳሮን ተል ኣቪቭ ነጌደ ጊሩሽ” ማለት ደቡባዊ ተል ኣቪቭ ኣንጻር ምስጋግ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ’ዩ ተኻይዱ።

ዝበዝሑ ስደተኛታት ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ደቡብ ቴልኣቪቭ ከምዝነብሩ ይፍለጥ።

እዞም እስራኤላውያን ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ነበርቲ ደቡብ ቴልኣቪቭ ብብዝሒ ስደተኛታት የማርሩ ኣለዉ እናበለ፣ ንምስጓጎም ጎስጓሳት ከካይድ ንዝጸንሐ መንግስቲ እስራኤል ዓቢ ጽፍዒት ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ስነጥበባውያን ፡ ምሁራት፡ ተመሃሮን ፡ ነጠፍትን ካልእ ሞያታትን ዘለዎም ነበርቲ ደቡብ ቴልኣቪቭ ዝተሳተፍዎ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ፣ መንግስቲ እስራኤል ናብ ሳልሰይቲ ሃገራት ኣይንኸይድን ንዝበሉ ሸውዓተ ኤርትራዉያን ካብ ኾልት ናብ ዝጸንከረ ቤት ማእሰርቲ ሳህሮኒም ኣብ ዘሰጋገረሉ እዋን’ዩ ተኻይዱ።

ነዚ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍጽሞ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ንምኹናን ሰለማዊ ሰልፍታት ይውደብን ናይ ጥርዓን ደብዳቤታት ይቐርብን ከምዘሎ ይፍለጥ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0