ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዱባይን ኣብ ምስፋሕ ውደብ በርበራ ተዘራሪበን

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዱባይን ኣብ ምስፋሕ ውደብ በርበራ ተዘራሪበን

Radio Erena: 26 February 2018

Somaliland

ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድን ዱባይን ኣብ ምስፋሕ ወደብ በርበራን ካልእ ናይ ወደብ ኣገልግሎታትን ብዝምልከት ከምዝተዘራረባ ተሓቢሩ።

ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊልናድን ሙሰ ቢሒ ዓብዲ ንዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣገልግሎታት ዱባይ ዎርልድ ሱልጣን ኣሕመድ ቢን ሱሌማን፣ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ተቐቢሉ ኣብ ዘዘራረበሉ፣ ወደብ በርበራ ካብዚ ዘለዎ ንላዕሊ ዝሰፍሓሉን ንሓያሎ ሃገራት ኣገልግሎታት ዝህበሉን ተኽእሎታት ተመያይጦም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ፣ ኣብ 20 ለካቲት; ኣብ ሃርጌሳ፣ ርእሰ ከተማ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ዝተኻያደ ርክብ ብዘይካ’ዚ፣ ዱባይ ዎርልድ ንዜጋታት እታ ርእሰ ምምሕዳር ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጥረሉ ተኽእሎታት ተዘራሪቦም።

ወደብ ባርባራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝበዝሐ ኣገልግሎታቱ ናብታ ርእሰ ምምሕዳር ጥራይ ተሓጺሩ እኳ እንተሎ፣ ኣብ መጻኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ መደባት ከምዘለዎ’ዩ ዝግለጽ።

ብናይ ወደብ ኣገልግሎት ኣብ ምጭንናቕ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቲ ካብ ወደብ ጅቡቲ እትርኽቦ ዘላ ኣገልግሎታት ንወደብ በርበራ ናይ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ’ውን ከም ኣማራጺ ክትጥቐመሉ ትሕልን’ያ።

ልዕሊ 80 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ 1998 ምስ ኤርትራ ዘካየደቶ ኵናት፣ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ናይ ወደብ ኣገልግሎታታ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ተደሪቱ ይርከብ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0