ስዑዲ ዝመራሒተን ሽዱሽተ ሃገራት ዓረብ፣ ዋንጫ ዓለም 2022 ካብ ቀጠር ናብ ካልእ ሃገር ክሰጋገር ጥርዓን ኣቕሪበን

ስዑዲ ዝመራሒተን ሽዱሽተ ሃገራት ዓረብ፣ ዋንጫ ዓለም 2022 ካብ ቀጠር ናብ ካልእ ሃገር ክሰጋገር ጥርዓን ኣቕሪበን

Radio Erena: 18 July 2017

qatar

ስዑዲ ዝመራሒተን ሽዱሽተ ሃገራት ዓረብ፡ ውድድር ዋንጫ ዓለም 2022 ካብ ቀጠር ናብ ካልእ ሃገር ክሰጋግር፡ ናብ’ቲ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝመደበሩ ቤት ጽሕፈት ፊፋ ወግዓዊ ጥርዓን ኣቕሪበን።

እዘን ሽዱሽተ ሃገራት፡ ማለት ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ግብጺ፡ የመን፡ ባሕረይንን ሞውሪታንያን፡ “ቀጠር መዋፈሪት ግብረሽበራ ስለ ዝኾነት፡ ንድሕነት ተጻወትቲን ተዓዘብትን ኣስጋኢት እያ” ብዝብል ምኽንያት እየን፡ ውድድር ዋንጫ ዓለም ናብ ካልእ ሃገር ክግዕዝ ዝጠርዓ ዘለዋ።

ዋና ጸሓፊ ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖ “The Local” ንዝተባህለት መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዘን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ዝበተኻ ሃገራት፡ ፊፋ ጠለበን እንተዘይኣማሊኡ፡ ንዋንጫ ዓለም 2022 ክሕሰምኦ ምዃነን ኣጠንቂቐን ኣለዋ።

ዋንጫ ዓለም 2022፡ ካብ 21 ሕዳር ክሳብ 18 ታሕሳስ ንኽካየድ መደብ ተታሒዝሉ ኣሎ።

ኣቐዲሙ’ውን፣ ስዑዲ ዓረብ መወዓውዒ መንገዲ ኣየር ቀጠር ዘለዎ ማልያ ስጳኛዊት ክለብ ክዑሶ እግሪ ባርሴሎና፣ ዝወደየ ዜጋኣ ክትቀጽዕ ምዃና ከምዘጠንቀቐት እኳ እንተ ተሓበረ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ድሒሩ ብዝሃቦ መብርሂ ግና እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ከምዘይነበረ ጠቒሱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0