ስዑዲ ዓረብ ዝሰጎጎቶም ሰለስተ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታትን ተጣበቕትን ኣብ ካርቱም ተኣሲሮም

ስዑዲ ዓረብ ዝሰጎጎቶም ሰለስተ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታትን ተጣበቕትን ኣብ ካርቱም ተኣሲሮም

Radio Erena: 31 July 2017

arress

ስዑዲ ዓረብ ዝሓለፈ ቅነ ዝሰጎጎቶም ሰለስተ ሱዳናውያን ጋዜጠኛታትን ተጣበቕትን፣ ኣብ ምስጢራዊ ቤት ማእሰርቲ ካርቱም ተቐይዶም ምህላዎም ኣምነስት ኢንተርናሽናል ኣቃሊዑ።

እቶም ካብ 21 ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዞም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝጸንሑ ሰለስተ ሱዳናውያን፣ ናብ ዓዶም ከይጥረዙ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክሓታ እኳ እንተጸንሓ፣ ስዑዲ ዓረብ ነዚ ጻውዒት ብምንጻግ’ያ ብ11 ሓምለ ናብ ዓዶም ሰጕጓቶም።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ድሕሪ ምብጽሖም ብኡ ንብኡ ብሓይልታት ጸጥታ ተወሲዶም ከምዝተኣስሩን ክሳብ እዚ እዋንዚ ደሃዮም ከምዘየለን ኣምነስት ኢንተርናሽናል ይጠቅስ።

 

እቶም ሱዳናውያን ብመንገዲ ፌስቡክን ካልእ ማሕበራዊ ሜድያታትን ተቓውሞን ህዝባዊ ናዕብን ብምጽውዖም’ዮም፣ ስዑዲ ዓረብ ከተረክቦም መንገስቲ ሱዳን ክሓትት ጸኒሑ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ዘለዉ ኣስታት 47 ሽሕ ዜጋታታ ንምምላሶም ምድላዋት የካይድ ከምዘሎ ይሕብር።

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ዜጋታት ወጻኢ ብፍቓዶም ክወጹ ሰሪዓቶ ዝነበረት ናይ 90 መዓልታት ግዜ ንተወሳኺ ሓደ ወርሒ ኣናዊሓትሉ ኣብ ዘላ እዋን’ዩ መንግስቲ ሱዳን 10ታት ኣሽሓት ዜጋታቱ ከውጽእ ምዃኑ ዝሕብር ዘሎ።

ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዜጋታታ ካብ ስዑዲ ዓረብ ክወጹ ከምዘለዎም እትሕብር ዘላ ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣስታት 40 ሽሕ ጥራይ’ያ ናብ ዓዶም ክትመልስ ክኢላ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0