ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ጉዳይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ስደተኛታት ንምጽራይ ኣብ ሊብያ ማእከል ክኽፈት ምውሳኑ ይንቀፍ

ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ጉዳይ ፖለቲካዊ ዑቕባ ስደተኛታት ንምጽራይ ኣብ ሊብያ ማእከል ክኽፈት ምውሳኑ ይንቀፍ

Radio Erena: 31 July 2017

france

ፈረንሳ፣ ፖለቲካዊ ዑቕባ ክወሃቦም ንዝኽእል ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ ንምጽራይ ኣብ ሊብያ ማእከል ስደተኛታት ክትከፍት ከምእትኽእል ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ገሊጹ።

ንሱ ነዚ ዝገለጸ፣ ብ29 ሓምለ ኣብ ማእከላይ ክፋል ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ መቐበሊ ስደተኛታት ኣብ ዝበጽሓሉ’ዩ።

ዕላማ እቲ ኣብ ሊብያ ዝቐውም ማእከል መጻረዪ ስደተኛታት፣ ኣብ ፈረንሳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዘይግብኦም ዜጋታት ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ማእከላይ ባሕሪ ብምስንጣቕ ሓደገኛ ጉዕዞ ካብ ምውሳድ ክሕዞም’ዩ ክብል’ዩ ፕረዚደንት ማክሮን ዝገልጽ።

 

ይኹን’ምበር መግለጺ እቲ ፕረዚደንት ብሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ተነቒፉ ኣሎ።

ኣብ ፈረንሳ ዓመታዊ ኣስታት 65 ሽሕ ሰባት ፖለቲካዊ ዑቕባ ክሓቱ እንከለዉ፣ እቲ መንግስቲ ነቶም ኣስታት 15 ሽሕ ጥራይ ዑቕባ ብምሃብ ነቶም ዝተረፉ ክነጽጎም’ዩ ጸኒሑ።

ዝበዝሑ ካብዞም ኣብ ፈረንሳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝወሃቦም ስደተኛታት ዜጋታት ሶርያ፣ ሱዳንን ኤርትራን’ዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0