ስዑዲ ዓረብ ንኢራን ክስልዩ ጸኒሖም ዝበለቶም 15 ሰባት ንሞት ፈሪዳ

Radio Erena: 07 December 2016

Saudi 15

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ንኢራን ክስልዩ ጸኒሖም ንዝበሎም 13 ዜጋታቱን ክልተ ወጻእተኛታትን ንሞት ከምዝፈረዶም ኣፍሊጡ።

እቶም ኣመንቲ ምስልምና ሺዓ ዝኾኑ ስዑዳውያን፣ ኣብ ሪያድ ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ቤት ፍድሪ ድሕሪ ምቕራቦም’ዩ ንሞት ተፈሪዶም።

ብዘይካ’ዚ’ውን እቲ ቤት ፍርዲ፣ ንሓደ ኢራናውን ሓደ ኣፍጋናውን ብተመሳሳሊ ክሲ ሞት ወሲንሎም ኣሎ።

ካልኦት 15 ከኣ ብተመሳሳሊ ክሲ ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ክሳብ 25 ዓመታት ክእሰሩ ምዃኖም በቲ ንግስነት ዝውነን ማዕከን ዜና ሓቢሩ።

እዞም፣ ንኢራን ክስልዩ ጸኒሖም ዝተባህሉ 30 ሰባት ኣብ 2013 ድሕሪ ምቕያዶም’ዮም፣ ቤት ፍርዲ ስዑዲ ንፍርቆም ንሞት ፈሪድዎም ዘሎ።

እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ግብራዊ ንክኸውን እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ውሳኔ ናብ ንጉስ ሳልማን ከቕርቦ’ዩ።

ስዑዲ፣ ብጉዳይ ስለያን ምትሕብባር ምስ ኢራንን፣ ኣመንቲ ሺዓ ኣብ ልዕሊ ዝኾኑ ዜጋታት እትወስዶ ዘሎ ተደጋጋሚ ስጉምታት ንኢራን ከምዘቆጠዓ ይግለጽ።

እታ ሃገር ኣቐዲማ’ውን ኣብ ፈለማ ወርሒ ናይዚ ዓመት እዚ ፣ ንሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ሺዓ ንዝኾነ ዜጋኣ ብሞት ከምዝቀጽዓቶ ኣይርሳዕን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0