ኤርትራ ኣብ መበል 107 ዋዕላ ቤት ምኽሪ ኣህጉራዊ ምሕበር ስደተኛታት ትሳተፍ ኣላ

Radio Erena: 07 December 2016

IOM

እቲ ካብ 5 ክሳብ 8 ታሕሳስ፣ ኣብ ጄኔቫ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፣ ነቲ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብደረጃ ኣህጉር እናዛየደ ዝመጽእ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታትን ሳገምትን ዝግምግምን’ዩ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ኣብ ዓለምና ኣብዚ እዋን’ዚ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ይኹን ካብ ሃገሮም ወጻኢ ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ፣ ዝተሰዱ፣ ዝሳገሙን ኣስታት 1 ቢልዮን ከምዝበጽሕ የመልክት።

እቶም 65.5 ሚልዮን ካብዚኣቶም፣ ብሰንኪ ፖለቲካውን ወትሃደራውያን ኩነታት ካብ መነባብርኦም ዝተመዛበሉ ወይ ዝተሰዱ ኮይኖም እቶም 21 ሚልዮን ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ዝተመዝገቡ’ዮም።

እቶም 86 ሚእታዊት ካብዚኣቶም፣ ኣብ ከም በዓል ቱርኪ፣ ሊባኖስ፣ ዮርዳኖስ፣ ኢትዮጵያ፣ ኬንያን ሱዳንን ዝኣመሰላ ሃገራት ተዓቝቦም ዘለዉ ዜጋታት ጎረባብቲ ሃገራት ኮይኖም እቶም 14 ሚእታዊት ጥራይዮም ናብ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ወጻኢ ናብ ኤውሮጳ ኣመሪካ፣ ካናዳ፣ ኣውስትራልያን ካልኦትን ክሰግሩ ዝኸኣሉ።

ናብዘን ሃገራት ናብ ምስጋር ኣብ ዝግበር መስርሕ ኣብዛ እትዛዘም ዘል ዓመተ 2016፣ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥራይ ኣስታት 5 ሽሕ ሰባት ከምዝሞቱ IOM ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብዚ ኣብ ጄኔቫ ዝካየድ ዘሎ መበል 107 ዋዕላ ቤት ምኽሪ ኣህጉራዊ ምሕበር ስደተኛታት እትሳተፍ ዘላ ኤርትራ፣ ሓንቲ ካብተን ዜጋተተን ፖለቲካዊ ዑቕባ ንምሕታት ብብዝሒ ናብ ስደት ዘምርሑ ዘለው ሃገራት ምዃና ጸብጻባት ትካላት ስደተኛታት የመልክቱ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብዚ ሳልስልቲ’ዚ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ልዕሊ ሓደ ስሕ ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ ከምዘድሓነ ኣፍሊጡ።

እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ዘካየዶ ህይወት ናይ ምድሓን ስርሒት ብውሕዱ ናይ 16 ሰባት ሬሳ’ውን ከምዝረኸበ ገሊጹ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0