ስዑዲ ዓረብ ቁጠባ ሱዳን ንምሕዋይ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣቐሚጣ

ስዑዲ ዓረብ ቁጠባ ሱዳን ንምሕዋይ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣቐሚጣ

Radio Erena: 14 August 2015

Sudan Bank

ስዑዲ ዓረብ ነቲ ብሰንኪ እገዳ ተዳኺሙ ዘሎ እቶት ናይ ወጻኢ ባጤራ ሱዳን ንምሕዋይ ኣብ ማእከላይ ባንክ እታ ሃገር ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣቐሚጣ።

እቲ ዝተቀመጠ ሓደ ቢልዮን ዶላር፣ ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወርሒ በብፍርቂ ናብቲ ባንክ ዝኣተወ ምዃኑ ሚኒስተር ፋይናን ሱዳን ዓብዱራሕማን ድራር ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጹ።

ቀጠር’ውን ንተመሳሳሊ ዕላማ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣብ ማእከላይ ባንክ ሱዳን ከተቐምጥ ምዃና ኣቐዲሙ እቲ ሚኒስተር ኣፍሊጡ’ዩ።

 

ካብ 1997 ኣትሒዛ ኣብ ትሕቲ እገዳ ናይ ኣመሪካ ዝጸንሐት ሱዳን፣ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ደቡብ ሱዳን ናጽነታ ምርካባ’ውን ካብ ነዳዲ እትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊ ብምንቁልቋሉ፣ ሃገራዊ ባንክ እታ ሃገር ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ከምዝተዳኸመ’ዩ ዝግለጽ።

ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራ ተዳኺማ ንዘላ ሱዳን ንምሕጋዝ ነፍሲ ወከፈን ሓደ ቢልዮን ዶላር ከቀምጣ ምውሳነን፣ ድሕሪ’ቲ ናይ ሱዳን መርገጺ ኣብ ጉዳይ የመን’ዩ።

ምስ ኢራን ቅርበት ከምዘለዋ ክትሕመ ዝጸንሐት ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ የመን ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ከምእትድግፍ ብወግዒ’ያ ኣፍሊጣ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0