ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ደርቂ ብውሕዱ 270 ጥሪት ሞይተን

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ደርቂ ብውሕዱ 270 ጥሪት ሞይተን

Radio Erena: 13 August 2015

Ethio Dr

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ዋሕዲ ወቕታዊ ዝናብ ኣሉታዊ ጽልዋ ምፍጣሩ ክፍሊ ሜትዮሮሎጂ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ’ዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዋሕዲ ዝናብ ኣብ ገለ ከባቢታት ደቅርን ከም ከብትን ጤሌ በጊዕን ዝኣመሰሉ ሞት እንስሳ ዘቤተን ከምዘስዓበ’ውን ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣረጋጊጻ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ባህራዊ ሓደጋ፣ ኣተሓሳሳቢ ብምዃኑ፣ ነቲ ኩነታት እትከታተል ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር እትምራሕ ኮሚቴ ቆይማ ምህላዋ’ውን እታ ጋዜጣ ኣረዲኣ።

 

ተኸሲቱ ዘሎ ዋሕዲ ወቕታዊ ዝናብ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኢትዮጵያ ጸቕጢ ከምዝፈጠረ ሓላፊ ክፍሊ ሜትዮሮሎጂ እታ ሃገር ኣቶ ፈጠነ ተሾመ ከረጋግጽ እኳ እንተኸኣለ፣ ኣብ ህወይት ሰብ ይኹን ጥሪት ዝወረደ ጉድኣት ግና ኣይሓበረን።

እንተኾነ ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ 31 ከባቢታት ጤሌ በጊዕን ኣግማልን ዝርከብኦም ልዕሊ 270 ጥሪት ብሰንኪ ደርቂ ከምዝሞታ ወሃቢ ሓበሬታ እቲ ክልል ዑስማን ኢድሪስ ሙሳ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ከባቢ ተወሳኺ ሓደጋ ከይሰዓበ ምምሕዳር እቲ ክልል ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምትሕብባር ይሰርሕ ምህላዉን፣ ህዝቢ ናብ ውሕስነት ማይን መግቢ እንስሳን ናብ ዝርከበሉ ከባቢታት ክግዕዝ ከምዝጀመረን’ውን ጸብጻብ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ብተወሳኺ የመልክት።

ብሰንኪ ዋሕዲ ዝናብ ሓደጋ ደርቂ ኣንጸላልይዎ ዘሎ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮምያ፣ ዓፋርን ሶማልን ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

=====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0