ስዑዲ ዓረብ፣ 10 ሽሕ ሶማላውያን ንስራሕ ክትቆጽር ትዳሎ

Radio Erena: 03 January 2017

Somali workers

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ 10 ሽሕ ሶማላውያን ንስራሕ ክትቆጽር፣ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ትዘራረብ ከምዘላ ኣል ኢቕቲሳድያ ዝተባህለት ጋዜጣ ስዑዲ ሓቢራ።

እታ ጋዜጣ ብዘቕረበቶ ጸብጻብ መሰረት፣ እቶም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝግዕዙ 10 ሽሕ ሶማላውያን፣ መብዛሕቶም ኣብ ናይ ገዛ ዕዮን ምምራሕ መኪናን ክዋፈሩ’ዮም።

ነዚ ንምስላጥን ሓድሽ ናይ ስምምዕ ሕግታት ንምጽፋፍን፣ ሚኒስትሪ ዕዮ ሶማል ዝመርሖ ልኡኽ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምርሕ ምዃኑ ጋልፍ ኒውስ ገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብታ ሃገር ኣትዮም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ተዋፊሮም ዝጸንሑ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዝርከብዎም ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብታ ሃገር እናገፈፈት ከምዝሰጎገት ዝዝከር’ዩ።

እዚ ሓድሽ ናይ ስራሕ መደብ፣ ሕጋዊ ቅጥዕታት ዘማልእን ብሕጋውያን ተሓተትን ትካላት ዝሳለጥን ብምዃኑ፣ ንሰራሕተኛታት ዝያዳ ውሕስነት ከምዘለዎ’ዩ ዝዝረበሉ።

እንተኾነ፣ መሰል ሰራሕተኛታት ናይ ወጻኢ ዜጋታት፣ ብፍላይ ድማ ንደቂኣንስትዮ ብምግሃስ፣ ግኑን ስም ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፣ ብዘይካ’ቲ ሕጋውያን ሰራሕተኛታት ንምቑጻር እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፣ መሰል ሰራሕተኛታት ዝኽበረሉ ሕግታት ከተተኣታቱ ተጣበቕቲ መሰላታ ይጠልቡ።

ካብ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሶማል፣ ፊሊፒንስን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ናይ ገዛ ስራሕ ዝተዋፈራ ደቂኣንስትዮ፣ ተደጋጋሚ እዋን ግዳያት ዓመጽ ዝተፈላለየ ግፍዕታት ከምዝኾና ዝፍለጥ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0