ሱዳን፣ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ኣብ ሓድሽ ዓመት

Radio Erena: 02 January 2017

Sudan PM

ሱዳን፣ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ከተቕውም ምዃና ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ሱዳን ኢብራሂም ማሕሙድ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ተሓጋጋዚ ኣብ መግለጺኡ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ 10 ጥሪ 2016 ኣትሒዙ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኣብዚ ዝቐውም ሓድሽ ስርዓት ቀዳማይ ሚኒስተር ክህሉ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፣ ሓያሎ ፖለቲካውያን ሰልፍታትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝተሳተፍዎ ሃገራዊ ዘተ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘለዎ ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ ክቐውም ምዃኑ ዝሕብር ዘሎ።

ኣብዚ ዝቐውም ሓድሽ ምምሕዳር መንግስቲ፣ ሓድስቲ ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራ’ውን ክርቁሑ ምዃኖም ዘመልከተ መግለጺ ተሓጋጋዚ ፕረዚደንት ኢብራሂም ማሕሙድ፣ ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብዚ ሓድሽ መንግስቲ ክሳተፉ ጸዊዑ።

ፓርላማ ሱዳን ዝሓለፈ ሰሙን ንቕታም እታ ሃገር ምምሕያስ ክግበረሉ ድሕሪ ዝሃቦ ድፋግ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር ብዕልዋ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ካብ 1989 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ተኣልዩ ዝጸንሐ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ዳግም ክምለስ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር ብመሰረት እዚ ተተግቢሩ ዘሎ ምምሕያሽ፣ ንፕረዚደንት እታ ሃገር ዝያዳ ስልጣን ዝህብን ካቢነ ሚኒስተራት ከኣ ብቀጥታ በቲ ፕረዚደንት ክርቁሑን ዕድል ዝህብ’ዩ።

ብመሰረት ኣብቲ ቅዋም ዝተገብረ ምምሕያሻት፣ መናብር ባይቶ ብልዕሊ 100 ክዛይድ’ዩ።

======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0