ስዑዲ ዓረብ፣ ዜጋታት ኢትዮጵያ ምግፋፍ ደው ከተብል ኢትዮጵያ ሓቲታ

Radio Erena: 12 August 2021

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምግፋፍ ደው ከብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ምሕታቱ ጸብጻብ ዘ ሪፖርተር ገሊጹ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሌንጮ ባቲ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ፣ ኣሕመድ ቀጣን ከምዝተራኸበ ዝገለጸ እቲ ምንጪ፣ ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ኢትዮጵያውያን ዝቐንዐ ምሕረት ክትእውጅ ምምሕጻኑ ኣመልኪቱ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ ደው ኣቢላቶ ዝጸንሐት ምስጓግ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋን፣ ዛጊት ኣስታት 40 ሽሕ ኢትዮጵያን ናብ ዓዶም መሊሳ ኣላ።

እታ ሃገር 10ታት ኣሽሓት ተወሰኽቲ ኢትዮጵያውያን ንምስጓግ፣ ኣኽበርቲ ጸጥታ ብምውፋር ግፋ ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

ኣብ ሓያሎ ክልላት ምፍራስ ጸጥታ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ሰሙናዊ ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝምለሱ ዘለዉ ኣሽሓት ዜጋታት፣ ነናብ ዓዶም ከተፋኑ ከምዘይክኣለት ይግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝምለሱ ተወላዶ ትግራይ፣ ብስም ውሸባ ኮረና ቫይረስ ንበይኖም እናፈለየ፣ ከም ምሩዃት ኵናት የቕርቦም ኣሎ ዝብል ወቐሳታት ይቐርብ።

ካብቶም ኣብዚ ቀረባ ኣዋርሕ ናብ ዓዶም ዝተመልሱ ልዕሊ 40 ሽሕ ኢትዮጵያን፣ እቶም ኣስታት 13 ሽሕ ተወላዶ ትግራይ ምዃኖም ይግለጽ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0