ስዑዲ ዓረብ፣ “ወለድኻ ምህራም ክሳብ 3 ዓመታት ማእሰርቲ ዘፍርድ ከቢድ ገበን’ዩ”

Radio Erena: 24 August 2020

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብማእሰርቲ ዘቕጽዕ’ዩ ዝበለቶ 25 ከበድቲ ገበናት ናብ ህዝቢ ዘርጊሓ።

እቲ ብኣኽባር ሕጊን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ጸዲቑ፣ ኣብ ትሕቲ ገበናዊ ሕጊ ሰፊሩ ዘሎ ዓንቀጻት፣ ዘይሕጋዊ ምስጋር ዶብ፣ ንሓይልታት ጸጥታ ምድፋርን ምጥቃዕን፣ ስርቂ ብጉጅለ፣ ፈተነ ቅትለት፣ ምጥፍፋእ፣ ስርቂ መኪና፣ ሰቲኻ መኪና ምምራሕ፣ ምንዝርናን ካልእን የጠቓልል።

ሓደ ካብቲ ምስ ከቢድ ገበን ተጸብጺቡ ዘሎ ዓንቀጻት ድማ ኣብ ልዕሊ ወለዲ ዝግበር መጥቃዕቲ’ዩ።

እዚ ተዘርዚሩ ዘሎ 25 ገበናት፣ 3 ዓመትን ልዕሊኡን ከእስር ይኽእል።

ብሕጊ ሸሪዓ እትመሓደር ስዑዲ ዓረብ፣ ሓንቲ ካብተን ዓመታዊ ዝበዝሑ ሰባት ብሞት ዝቐጽዓ ሰለስተ ሃገራት’ያ።

እታ ሃገር፣ ኣብ ልዕሊ መሰል ደቂሰብ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ መሰል ደቂንኣንስትዮ ዘለዋ ዓማጺ ኣታሕዛ ንምምሕያሹ ተበግሶ ትወስድ ከምዘላ’ያ ትግለጽ።

ይኹን’ምበር እታ ሃገር ብሕጊታት ሸርዓ ምምራሕ ክሳብ ዝቐጸለቶ፣ መሰላት ደቂሰብ ከምቲ ዝግባእ ከተኽብ’ርያ ዝብል እምነት ከምዘይብሎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይጠቕሱ’ዮም።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0