ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ ዘይብሉ  ምትእኽኻብ ሸውዓተ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ትምስርት

ስዑዲ ዓረብ፣ ኤርትራ ዘይብሉ ምትእኽኻብ ሸውዓተ ሃገራት ቀይሕ ባሕሪ ትምስርት

Radio Erena: 14 December 2018

saudi

ስዑዲ ዓረብ፣ ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ዘዋስነን ሃገራት፣ ኣብ ጸጥታን ፖለቲካዊ ምምኽካርን ብሓባር ከስርሐን ዝኽእል ምትእኽካብ ንምምስራት ዝዓለመ ዘተ ከምዘካየደት ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

ኣብቲ ብሮቡዕ 12 ታሕሳስ፣ ኣብ ርያድ ዝተኻየደ ዘተ፣ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ናይተን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ሃገራት፣- ስዑዲ ዓረብ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ የመን፣ ግብጺ፣ ሶማልን ዮርዳኖስን ተረኺቦም።

ኣራብ ኒውስ ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቶም ሚኒስተራት ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝቐረብ ናይ ምትእኽኻብ ውጥን ከምዝድግፉ ተሰማሚዖም።

ናብ ትግባረ ንምስግጋሩ ድማ ኣብዚ ቀረባ ናይ ክኢላታት ርክብ ክካየድ’ዩ።

ኤርትራ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነወሐ ገማግም ባሕሪ ካብ ዝውንና ሃገራት ክነሳ፣ ካብዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ሓድሽ ምትእኽኻብ ዝተገለለትሉ ምኽንያት ኣይተፈልጠን።

ስዑዲ ዓረብ ምስ ሕቡራት ኢማራት ብምዃን ኣብ የመን ኣብ እተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ኤርትራ፣ ሱዳንን ጅቡቲን ደገፍ ይገብራላ ከምዘለዋ ይፍለጥ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0