ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ሞያለ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ብሄር ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ሞያለ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ብሄር ግጭት ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 14 December 2018

moyale

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ከባቢ ሞያለ፣ ዞባ ቦሮና፣ ኣብ ሞንጎ ብሄራት ኦሮሞን ሶማልን ብዝተኻየደ ግጭት፣ ሓያሎ ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ከምዝኾኑ ማዕከናት ዜና ኦሮሞያ ሓቢረን።

ክፍሊ ሓበሬታ ክልል ኦሮሞ ብዝዘርግሖ መግለጺ መሰረት፣ በቲ ግጭት ናይ ዝተቐትሉ ሰባት ብዝሒ 13’ዩ።

በቲ ካብ ቅድሚ ትማሊ ኣትሒዙ ዝቐጸለ ናይ ብሄር ግጭት፣ ሓያሎ ትካላትን መንበሪ ኣባይትን ተቓጺሉ።

ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ኣብቲ ከባቢ ተጓሃሂሩ ዘሎ ግጭት ክቖጻጸሮ ብዘይምኽኣሉ፣ ነበርቲ እቲ ከባቢታት ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታት ምረቶም ይገልጹ ኣለዉ።

ኣብ ናይ ብሄራት ግጭት ተሸኺላ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከባቢ ሞያላ ኣብ ተወላዶ ሶማልን ኦሮምን ዝኾኑ ህዝብታት ግጭት ክካየድ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኮነን።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ እቲ ብዝያዳ ናይ ብሄር ግጭታት ዝካየደሉ ዘሎ ክልላት፣ ኦሮምያ፣ ሶማልን ቤንሻንጉል ጉምዝዝን’ዩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ’ውን ጸጸኒሑ ዝእጎድ ናይ ብሄር ግጭታት ይርእየ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0