“ኣጋር ሰራዊት ናብ ሶርያ ክልእኽ’የ፣” ስዑዲ ዓረብ

“ኣጋር ሰራዊት ናብ ሶርያ ክልእኽ’የ፣” ስዑዲ ዓረብ

Radio Erena: 11 February 2016

Sau Ar

ስዑዲ ዓረብ ኣጋር ሰራዊታ ናብ ሶርያ ክትልእኽ ድልውቲ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

ኣፈኛ ሰራዊት ስዑዲ ዓረብ ብርጋዴር ጀነራል ኣሕመድ ኣሲሪ ንኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ስዑዲ ዓረብ ካብ መስከረም 2014 ኣትሒዛ ኣብ ጎኒ ኣመሪካ ብምስላፍ፣ ኣብ ሶርያ ኣንጻር ዳዒሽ ናይ ነፍርቲ ደብዳብ ከተካይድ ከምዝጸንሐት’ውን ኣረጋጊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ እታ ሃገር ኣጋር ሰራዊት ናብ ሶርያ ንምልኣኽ ድልውቲ ምህላዋ ሓቢሩ።

 

እንተኾነ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ናብ ሶርያ ናይ እትልእኮ ብዝሒ ሰራዊት ኣይፈለጠትን።

ኣመሪካ፣ ኣብዚ ቀረባ ኣኼባ ሚኒስተራት ምክልኻል ናይተን ኣንጻር ዳዒሽ መጥቃዕቲ ዘካይዳ ዘለዋ ሃገራት ንምክያድ ውጥን ከምዘላዋ ኣብ ዝዝረበሉ ዘሎ እዋን’ያ ስዑዲ ዓረብ ኣጋር ሰራዊታ ናብ ሶርያ ንምውፋር ድልውቲ ምህላዋ ትሕብር ዘላ።

መራሒት ናይቲ ኤርትራ ዝኣባሉ እስላማዊ ኪዳን ኣንጻር ግብረ ሽበራ ዝኾነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ከየብጽሐት ኣብ ሶርያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ክትኣቱ ምውሳና ሓደገኛ ጽልዋ ክህልዎ ከምዝኽእል ወትሃደራውያን ተንተንቲ ብኣግኡ የጠንቕቑ።

እታ ሃገር ኣብ የመን ኣብ እተካይዶ ዘላ ኵናት እኹል ብዝሒ ኣጋር ሰራዊት ከተዋፍር ብዘይምኽኣላ፣ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ሱዳን፣ ግብጽን ካልኦት ሃገራትን ወትሃደራት ክትኣኻኽብ እንከላ፣ በጻር’ዚ ከኣ ኣብ ሶርያ ኣጋር ሰራዊት ንምልኣኽ ድልውቲ ምዃና ምሕባራ፣ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ናይ ልፍንቲ ሰራዊት ኣብ ሶርያ ንምድጋፍ እንተዘይኮይኑ ኣብ ግብሪ ንምውዓሉ ዓቕሚ ስለዘለዋ ከምዘይኮነ እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን፣ ኣብ ሶርያ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣንጻር ዳዒሽ ዘካይድኦ ዘለዋ ዘመተ፣ ፕረዚደንት ኣሳድ’ውን ካብ ስልጣን ክእለ’የን ዝድግፋ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0