ሓደ ካብ መራሕቲ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ኣንጻር መሓዛ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝኾነት ሆላንዳዊት ዘቕረቦ ክሲ ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ

ሓደ ካብ መራሕቲ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ ኣንጻር መሓዛ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝኾነት ሆላንዳዊት ዘቕረቦ ክሲ ብቤት ፍርዲ ተነጺጉ

Radio Erena: 11 February 2016

Mir Mese

መሰረት ባህልቢ ዝተባህለ ሓደ ካብ መራሕቲ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሆልናድ፣ ኣንጻር መሓዛ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ዝኾነት ሆላንዳዊት ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን ረይሰን ዘቕረቦ ክሲ ከምዝተነጽገ ካብ ኣምስተርዳም ዝተመሓላለፈ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ትማሊ ሮቡዕ 10 ለካቲት ኣብ ዝሃቦ ብይን’ዩ፣ ነቲ ብመሰረት ባህልቢ ዝቀረብ ክሲ ብምንጻግ፣ ንረብሓ እታ ሆላንዳዊት መሓዛ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስዋዊ ለውጢ ዝኾነ ሚርያም ቫን ረይሰን ውሳኔ ዘመሓለለፈ።

 

መሰረት ባህልቢ፣ እታ ሆላንዳዊ ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪታ ምስ ሓንቲ ካብ ሬድዮታት እታ ሃገር ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መጠይቕ ስመይ ኣጸሊማቶ ብዝብል ከሲሱ’ዩ ብ27 ጥሪ 2016 ኣብ ኣምስተርዳም ዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪቡዋ።

እቲ ብስም ጸለመ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ “መሰረት ባህልቢ ከም ሓደ ካብ ኣካያደቲ መንእሰያት ህግደፍ ኮይኑ፣ ኣብ ሆላንድ ካብ ዝንበሩ ኤርትራውያን ሓበሬታ እናኣከበ ናብ መንግስቲ ኤርትራ የመሓላልፍ’ዩ ክትብል ፕሮፌሰረ ሚርያም ገሊጻትኒ፣” ዝብል’ዩ።

እቲ ክሲ ብሮቡዕ 27 ጥሪ 2016 ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ቤት ፍርዲ ካብ ዝቐረበሉ እዋን እትሒዙ ክሳብ’ቲ ትማሊ ውሳኔ ዝተዋህበሉ ከኣ ብማዕከናት ዜና ሆላንድ፣ መርበብት ሓበሬታን ማሕበራዊ ሜድያታትን ልዑል ሸፈነ’ዩ ረኺቡ ጸኒሑ።

ፕሮፌሰር ሚርያም ቫን ረይሰን ሓንቲ ካብቶም ኤውሮጳውያን መሓዙት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሕን ደሞክራስያዊ ለውጢን ኮይና፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምጉላሕ ብእትገብሮ ሓያል ምንቕስቓስ ካብ ደገፍቲ ህግደፍ ምፍርራሕ ክመጻ ምጽንሑ’ያ ትጠቕስ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0