ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ 28 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ሰጕጓ

Radio Erena: 30 May 2022

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ፣ ልዕሊ 28 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ከምዝሰጎገት ተሓቢሩ።

ብወገን ኢትይጵያ፣ ነቲ ናይ ምምላስ መስርሕ ከተሳልጥን ክትከታተልን ዝቖመት ኮሚተ፣ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘካየደቶ ገምጋም፣ ነዞም ካብ ስዑዲ ዝተመልሱ ኢትዮጵያውያን ንምቕባል፣ መሰረታዊ ቀረባት ዘለዎ ትሽዓተ ማእከላት ከምዝተኸፍተ ምጥቃሳ መንግስታውያን መርበባት ዜና ኣረጋጊጸን።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ከምዝነብሩ ‘ዩ ዝግለጽ።

ካብዚኣቶም፣ ኣብ ማእሰርቲን ሕማቕ ኩነታትን ዝርከቡ ልዕሊ 100 ሽሕ፣ ኣብ ውሽጢ 11 ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ውጥን ምንባሩ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተመልኪቱ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚማ እትርከብ ኢትዮጵያ፣ ካብ ስዑዲ ዓረብ ንዝምለሱ 10ታት ኣሽሓት ዜጋታታ ንምቕባል ዓቕሚ ከምዘይህልዋ ይጥቐስ።

ኣብ ርእሲ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝምለሱ ተወላዶ ትግራይ ንበይኖም ፈልዮ ይቕይዶም ከምዘሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ ሓይልታት ጸጥታ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብስም ‘ምኽባር ሕጊ’ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጃምላዊ ማእሰርቲ ብዝተሓሓዝ፣ ኣብዚ 10 መዓልታት፣ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ዝቐየድዎም ብዝሒ ጋዜጠኛታት ልዕሊ 20 ከምዝበጽሐ ተመልኪቱ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0