ስዑዲ ዓረብ፣ ኣስታት 5 ሚልዮን ናይ ወጻኢ ዜጋታት ንምስጓግ ምድላዋታ ተካይድ

Radio Erena: 18 May 2017

Saudi to Expell

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብታ ሃገር ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዝነብሩ ኣስታት 5 ሚልዮን ወጻእተኛታት ንምስጓግ ምድላዋት ተካይድ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነዚ ምድላዋት ተካይድ ምህላዋ ዘፍለጠት ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ (ኢቓማ) ዘይብሎም ወጻእተኛታት ብግዴታ ቅድሚ ምስጓጓ ብወለንትኦም ክወጹ ዝመደበቶ ናይ 90 መዓልታት ዕድል ክዛዘም ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ እዋን’ያ።

ቤት ምኽሪ ስዑዲ ዓረብ (ሹራ ካውንስል) ፣ ብዘይሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ስዑዲ እናሰርሑ ዝነብሩ ዘለዉ ወጻእተኛታት ክጥረዙ ዝብል እማመ ድሕሪ ምቕራቡ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ብወለንትኦም ክወጹ ካብ 29 መጋቢት ክሳብ 29 ሰነ ዕድል ከምዝሃበት ምእዋጃ ይዝከር።

ኣብዚ 90 መዓልታት ብወለንትኦም ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝወጹ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት፣ ኣብ ካልእ እዋን ብሕጋዊ መንገዲ ክኣትዉ ከምዝኽእሉን፣ ነዚ ናይ 90 መዓልታት ዕድል ዘይተጠቕምሉ ግና ተታሒዞም ናይ ኣጻብዕቲ ኣሰር ተወሲድሎም ብሓይሊ ምስ ዝስጎጉ፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝምለስሉ ዝኾነ ዕድል ከምዘይህልዎምን ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት የመልክት።

በዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ስጉምቲ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሚልዮናት ወጻእተኛታት ክጽለዉ’ዮም።

ዜጋታት፣ ፓኪስታን፣ ፊሊፒንስ፣ ባንግላድሽን ኢትዮጵያን፣ እቶም ኣውራ ግዳያት እዚ ናይ ስዑዲ ውሳኔ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ቅድሚ’ዚ ናይዚ ናይ 90 መዓልታት ዕድል ምብቅዑ፣ ኣሽሓት ዜጋጋቱ ካብታ ሃገር ንምውጻእ ጻዕርታት ኣብ ምክያድ ይርከብ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0