ኢትዮጵያ፣ ስምምዕ ናይል ዘዋስነን ሃገራት ክመሓየሽ ብግብጺ ንዝቐረበ እማመ ነጺጋ

Radio Erena: 19 May 2017

Ethi EGy NBI

ኢትዮጵያ፣ ተበግሶ ናይተን ወሓይዘን ናብ ናይል ዝፈስስ ሃገራት ስምምዕ ክመሓየሽ ብግብጺ ንዝቐረበ እማመ ነጺጋ።

እታ ሃገር ነዚ እማመ ከምዝነጸገት ዝግለጽ ዘሎ፣ ክኢላታት ኢትዮጵያ፣ ግብጽን ሱዳንን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ’ዩ።

ግብጺ፣ ካብቲ ዘቕረበቶ እማመታት ሓደ ናብቲ ብተበግሶ ‘ኤንተበ’ ዝፍለጥ ስምምዕ ክትምለስ ዝብል’ዩ።

እንተኾነ፣ ኢትዮጵያ ናብቲ ተበግሶ ንኽትጽንበር ገና ከተማልኦ ዘለዋ ጉዳያት ከምዘሎ ብምጥቃስ ነቲ ናይ ግብጺ ሓሳብ ጠቕሊላ ኣይተቐበለቶን።

ናብቲ ናይ ኢንተበ ተበግሶ ንኽትምለስ ግብጺ፣ ምስ ሓያሎ ኣባላት ሃገራት ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ተካይድ ከምዘላ ዝፍለጥ’ዩ።

ግብጺ ምስ ኡጋንዳ ከተካይዶ ድሕሪ ዝጸንሐት ተኸታታሊ ዝርርባት፣ ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቪኒ፣ ግብጺ ናብ ናይ ኢንተበ ተበግሶ ክትምለስ ዕድል ክወሃባ ኣብ ዝብል ስምምዕ በጺሑ ኣሎ።

ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምዝርራብ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ተበግሶ ኢንተበ ኣብዚ ቀረባ ኣኼባ ከካይዱ ተኽእሎ ከምዘሎ ይግለጽ።

ወሓይዘን ናብ ፈለግ ኒል ዝፈስስን ኒል ዘዋስነንን 10 ሃገራት፣ ርዋንዳ፣ ብሩንዲ፣ ዲሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ታንዛንያ፣ ኬንያ፣ ኡጋንዳ፣ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳንን ግብጽን ክኾና እንከለዋ፣ ሽዱሽተ ካብዚኣተን ብሩንዲ፣ ኬንያ፣ ርዋንዳ፣ ታንዛንያ፣ ኡጋንዳን ኢትዮጵያን ሓባራዊ መርገጺ ብምሓዝ፣ ብ ‘ተበግሶ ኤንተበ’ ዝፍለጥ ስምምዕ ዝኸተማ’የን።

ካብ ናይል ኣውራ ተጠቀምቲ ዝኾና ሱዳንን ግብጽን ግና ኣባላት እዚ ናይ ኤንተበ ተበግሶ ኣይኮናን።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0