ስዑዲ ዓረብ፣ ንፕረዚደንት በሺር ካብ ስልጣን ዝኣለየ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዘለዋ ደገፍ ገሊጻ

Radio Erena: 15 April 2019

ስዑዲ ዓረብ፣ ንፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ካብ ስልጣኑ ዝኣለየ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዘለዋ ደገፍ ብወግዒ ገሊጻ።

እታ ሃገር ብስም ንጉስ ሳልማን ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፣ ምርጫ ህዝቡ ሱዳን ከምእተኽብር ብምጥቃስ፣ ምስቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወትሃደራዊ ጉጅለ ክትተሓጋገዝ ቅርብቲ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ከም መርኣያ ሰናይ ድልየታን ደገፋን ድማ ህጹጽ ረዲኤት ንምልጋስ መዲባ።

ስዑዲ፣ ነዚ ንፕረዚደንት ሱዳን ብዕልዋ ዝኣለየ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ብወግዒ ዝደገፈት ናይ መጀመርያ ሃገር ኮይና ኣላ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ንምእላይ ፕረዚደንት በሺር ዘለዋ ደገፋ ቅድሚ ኩለን ሃገራት ብወግዒ ትገልጽ ዘላ፣ ካብቲ ፕረዚደንት በሺር ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዝነበሮ ጥቡቕ ዝምድናታት ዝጸንሓ ሻቕሎት ዝብገስ ምዃኑ ተንተንቲ የመልክቱ።

ይኹን’ምበር፣ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ዝህልዎ ዘቤታዊ፣ ዞባዊን ኣህጉራውን ፖሊሲታት ምስ ግዜ ዝርአ ዝኾነ ዘመልክቱ እቶም ተንተንቲ፣ እዚ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ንሃገራዊ ወሽመጥ ዓረብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ምዕራብን’ውን ዘሽቕሎ ምዃኑ የረድኡ።

ኣብ ሱዳን፣ ነታ ሃገር ዘረጋግእን ጸጥታ ዘውሕስን ማእከላይ መንግስቲ ክቐውም እንተዘይኪእሉ፣ ምስቲ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ተደሚሩ፣ ፍኑይ ዋሕዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ስደተኛታትን ሽበራን ከየኸተል ዝዓበየ ስግኣት ሃገራት ኤውሮጳ ኮይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ድሕሪ ምእላዩ፣ ዛጊት እንታይነቱ ንጹር ዘይኮነ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ መሪሕነት እታ ሃገር ሒዙ ይርከብ።

ህዝቡ ሱዳን፣ ኣብዚ ብናይ ቀረባ መሳርሕቲ ፕረዚደንት በሺር ቆይሙ ዘሎ ግዝያዊ ወትሃደራዊ ባይቶ፣ እምነት ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፣ እቲ ጉጅለ ስልጣኑ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ይጽውዕ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0