ስዑዲ ዓረብ፣ ብቻይና ናብ ዝምራሕ፣ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ምትእኽኻብ’ ክትጽንበር ወሲና

Radio Erena: 30 March 2023

ስዑዲ ዓረብ፣ ናብቲ ብቻይና ዝቖመን ዝምራሕን፣ ኣብ ጸጥታ ዘተኮረ ደምበ ሃገራት ክትጽንበር ከምዝወሰነት ተሓቢሩ።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ናብቲ ‘ማሕበር ምትሕግጋዝ ሻንጋይ’ ዝፍለጥ ደምበ፣ ብደረጃ ‘ናይ ዘተ መሻርኽቲ’ ንክትጽንበር፣ ብንጉስ ሳልማን ተመሪሑ፣ ብሰሉስ 28 መጋቢት ኣኼባ ዘካየደ ካቢነ ሚኒስተራት ደገፉ ከምዝሃበ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቲ ኣብ 2001 ዝቖመ ምትእክኻብ፣ መስራቲት ቻይና፣ ሩስያ፣ ህንዲን ፓኪስታንን፣ ከምኡ ድማ ኣብ ማእከላይ ኤስያ ዝርከባ ኡዝበኪስታን፣ ካዛኪስታን፣ ኪርጊስታንን ታጂኪስታንን ብጠቕላላ 8 ቀወምቲ ኣባላት ሃገራት ኣለዎ።

እቲ ኣብ ቤጂንግ ዝማእከሉ ምትእኽኻብ፣ ኣብ መንጎ ኣባላቱ፣ ኣብ ፖለቲካ፣ ጸጥታን ንግድን ክትግበር ዝኽእል ምትሕግጋዝ ዘተኮር እኳ እንተኾነ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ደምበ ሃገራት ምዕራብ ዘስግእ ምንቅስቓስ ኣይጸንሖን።

ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ፣ ድሕሪ 22 ዓመታት ምምስራት እቲ ናይ ቻይና ደምበ፣ ክትጽንበሮ ምውሳና፣ ንምምሕዳር ዋሽንግተንን ሃገራት ምዕራብን ዘሐጉስ ስጉምቲ ከምዘይኮነ ተንተንቲ የረድኡ።

እቲ ምትእኽኻብ፣ ብዘይካ’ተን ዘለውኦ ሸሞንተ ቀወምቲ ኣባላት ሃገራት፣ ከም ቀጠር፣ ኢራንን ቱርኪን ዝኣመሰላ ሓያሎ ሃገራት ድማ ናይ መሻርኽትን ተዓዛብነትን ቦታ ሓዚኡለን’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0