ስዑዲ ዓረብ፣ ኣሲራቶም ዝጸንሐት ክልተ ኤርትራውያን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣረኪባ

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣሲራቶም ዝጸንሐት ክልተ ኤርትራውያን ናብ መንግስቲ ኤርትራ ኣረኪባ

Radio Erena: 28 August 2017

Asmara airport

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣሲራቶም ዝጸንሐት ክልተ ኤርትራውያን ናብመንግስቲ ኤርትራ ኣረኪባ።

መንነት ናይቶም ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝተረከቡ ክልተ ኤርትራውያን ብንጹር ክፍለጥ እኳ እንተዘይካለ፣ ብሰንኪ ክኽተልዎ ዝጸንሑ ሃይማት ክርስትና ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ዝተኣስሩ ክኾኑ ይኽእሉ’ፕም ዝብል ግምታት ከምዘሎ እቶም ነዚ ሓበሬታ እዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ጠቒሶም።

ስዑዲ ዓረብ፣ ብተመሳሳሊ ክሲ ዝቐየደቶም ሓያሎ ኤርትራ በብእዋኑ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከተረክቦም እንከላ፣ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ተተቐቢሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምዕጢር ከሰጋግሮም ጸኒሑ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብያ ሃይማኖት ክርስትና ክሰብኽ ጸኒሑ ንዝበለቶ እዮብ ሙሴ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣብ 2011 ንሞት ፈሪዳቶ ከምዝነበረት ዝዝከር ኮይኑ፣ እታ ሃገር ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ ብምምሕያሽ ናብ ኤርትራ ከምዝጥረዝ ድሕሪ ምግባራ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ተቐቢሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ምዕጢር ኣሲርዎ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ስዑዲ ነዞም ክልተ ኤርትራውያን ብፍሉይ ኣሲራ ንመንግስቲ ኤርትራ ተረክብ ዘላ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ገፊፋ ብግዴታ ነናብ ዓዶም ንምስጓግ ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን’ዩ።

ክ/ሰ ዝርዝር ናይዚ ሓበሬታ ኣብ ዝበጽሓና ከነቕርቦ ኢና።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0