ስዑዲ ዓረብ፣ ሩስያ ዘይተሳተፈቶ ዋዕላ ዘተ ሰላም ሩስያን ዩክሬይንን ወዲባ

Radio Erena: Tuesday,08 August 2023

ስዑዲ ዓረብ፣ ሩስያ ዘይተሳተፈቶ ዋዕላ ዘተ ሰላም ሩስያን ዩክሬይንን ወዲባ።

እቲ ልዕሊ 30 ሃገራት ዝተዓደማሉ ብ06 ነሓሰ ኣብ ጂዳ ዝተኻየደ ዋዕላ ንሰላም፣ ኣብ ጉዳይ ሩስያን ዩክሬይንን ንምምኽኻር ዝዓለመ’ዩ።

ኣብ መዛዘሚ እቲ ዋዕላ፣ እማመ ይኹን መርገጺ ኣዋጃት እኳ እንተዘይቀረበ፣ ወኪልቲ ዕዱማት ሃገራት ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ሓባራዊን ክልተኣዊን ዘተ ንኸካይዱ ዕድል ከምዝፈጠረ ጸብጻብ ቴሌቪዥን ፈረንሳ ኣቃሊሑ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ወከልቲ ኣርባዕተ ኣባላት ሃገራት ብሪክስ ማለት ቻይና፣ ህንዲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃን ብራዚል’ውን ተረኺኖም ኔሮም።

ሩስያ፣ ኣብቲ ዋዕላ ንኽትሳተፍ ብስዑዲ ዓረብ ዕድመ ብዛዕባ ምቕራቡ ኣይተነጸረን።

=======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0