ስዑዲ ዓረብ፣ ምስ ቀጠር ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ሓድሽ ኣምባሳደር መዚዛ

Radio Erena: 24 June 2021

ስዑዲ ዓረብ፣ ካብ 2017 ኣትሒዙ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ዝምድናኣ ምስ ቀጠር፣ ናብ ንቡር ንምምላስ ሓድሽ ኣምባሳደር መዚዛ።

ኣምባሳደር ስዑዲ ዓረብ ኮይኑ ዝተመዘዘ፣ ሉኡል መንሱር ቢን ካሊድ ኣል ፋርሓን፣ ብ21 ሰነ ወርቐት ስርሑ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብዱራሕማን ኣልታኒ ኣብ ዘረከበሉ፣ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ንምሕያል ኩሉ ምትሕብባር ከምዝግበረሉ ገሊጹ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬይንን ግብጽን ካብ 2017 ኣትሒዘን ምስ ቀጠር ዝነበረን ዝምድና ብምዝሕታል፣ ነታ ሃገር ንምንጻል ኣብ ከበባ ኣእትየንኣ’የን ጸኒሐን።

ምስ ቀጠር ዝምድና ንምስራት ድማ፣ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ደው ክብል፣ ቀጠር ምስ ቱርኪ ዘለዋ ዝምድና ከተዛሕትልን ሰራዊት ቱርኪ ድማ ካብ ቀጠር ክወጽእን ዝብል 10 ነጥብታት ኣቐሪበን ኔረን።

እንተኾነ፣ ድሕሪ ናይ 4 ዓመታት ወጥሪ፣ እዘን ሃገራት ምስ ቀጠር ዝጸንሐን ምትፍናን ብምእላይ ዝምድንአን ናብ ንቡር ክመልሳ ተሰማሚዐን ይርከባ።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈጥረ ምክፍፋል፣ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ጸግዒ ናብ ምሓዝ ዝደፋፍአ ዲፕሎማሲ’ዩ ኣውዲቑወን።

ኤርትራን ጂቡቲን፣ ነታ ንነዊሕ ዓመታት መሓዘአን ዝነበረት ቀጠር ብምሕዳግ፣ ጸግዒ ስዑዲ ክሕዛ እንከለዋ፣ ሱዳንን ሶማልን ግና ጸግዒ ከይሓዛ፣ ወጥሪ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ፣ ብዘተ ክፍታሕ ኣሎ ዝብል መርገጺ’ዩ ጸኒሑወን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0