ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ትሃድን

ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ትሃድን

Radio Erena: 06 December 2017

saudi

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ትሃድን ከምዘላ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ሪያድን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ጀሚሩ ዘሎ ሃድን፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ንዘይብሎም ወጻእተኛታት ነናብ ዓዶም ንምጥራዝ ዝዓለመ’ዩ።

ፖሊስ ስዑዲ ዓረብ ሕጋዊ መንበሪ ፍቃድ ዘይጸንሖም ኣሽሓት ወጻእተኛታት ከምዝኣሰሩ ዝሓበሩ ዝተፈላልዩ ወገናት ድማ፣ ካብዚኣቶም ልዕሊ ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ድሮ ናብ ዓዶም ከምዝተሰጉ ኣረጋጊጾም።

ካብ ስዑዲ ዓረብ ዝተሰጉ 1300 ዜጋታቱ ከምዝተቐበለ ዘረጋገጸ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ኣቐዲሞም፣ ነቲ ስዑዲ ዓረብ ዝሃበቶ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ብወለንትኦም ክወጹ ዝብል ናይ ግዜ ዕድል፣ ተጠቒሞም 70 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝኣተዉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣስታት11 ሚልዮን ናይ ወጻኢ ዜጋታት ከምዘለዉ ዘነጸረ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ እቶም ኣስታት 2 ሚልዮን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ምዃኖም’ዩ ዝጠቅስ።

እዚ ስዑዲ ዓረብ ጀሚራቶ ዘላ ሃድን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ወጻእተኛታት ንኣማኢት ኤርትራውያን ክጸሉ ከምዝኽእል ይግመት።

እታ ሃገር ብዘተኣታተወቶ ሓድሽ ክፍሊት ናይ ስራሕ መንበሪ ፍቓድ ወይ ኢቓማን፣ ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታቶም ናብ ሱዳንን ግብጽን ከውጽኡ ከምዝተገደዱ ይፍለጥ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0